ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጋሕቴላይ 670 ዜጋታትና `፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት መዳጎኒ ማእከላት ህግደፍ ዝርከቡ እሱራት ስቓይ የሕልፉ ምህላም ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ሓቢሩ።
እቲ ምንቅስቓስ ንዉሽጣዊ ሰነዳት ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ብምብሳዕ ብቐጻሊ ኣብ ዘካፍሎ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጋሕቴላይ ተኣሲሮም ዘሎዉ ዜጋታት – ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ካብ መዓስከራትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ብስለያ ህግደፍ ተጨውዮም ዝመጹ፡ ከምኡ’ዉን ምስ ህግደፍ ዘይቃዶ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣለኩም ተባሂሊም ዝተዳነግኑ ይርከብዎም።
ጸረ-መንግስትን ግንባርን ውዳበ ጌርኩም ተባሂሎም ን10 ዓመት ብጽኑዕ ዝተኣስሩ 24 ዜጋታት ምህላዎም ዘቃልዐ እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብኣቶም ምሕረተኣብ ተኽለማርያም ዘሙይን ዳንኤል ኣሸብር መኮነንን ዝተባህሉ ድሕሪ ናይ 6 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ፡ ዓቕሎም ኣጽቢቦም ኣብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብኣባላት ሓለዋ ብተመልከተለይ ከምእተቐትሉ ይሕብር።
ነቶም ዉዳበ ሰሪዕኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ንዓመታት ክምርምሩ ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካፕቴን ሃብቶም ሃይለ (ወዲ ሃይለ)፦ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ተለንተ ግርማይ ኣስፈሃ (ወዲ ጎንጨ)፦ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዞባ ማእከል፡ ቅድም ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ክፍሊ ገበናዊ ምርመራ ዝነበረ፡ ኣብ 2006 ከኣ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ዝተሳሕበ፤ ሌተ/ኮለነል ወልዳይ ሃይለ፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፣ ከምኡ’ዉን ካፕቴን ነጸረኣብ ተኽለ (ወዲ ለምለም)፦ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ፡ ማእከላይ ቤጽሕፈት ሚ/ምክልኻል እዮም።
ፈለማ ብክፍሊ ተሃድሶ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምቕጻዕ ተባሂሉ ዝተመስረተ ቤት ማእሰርቲ ጋሕቴላይ፡ ካብ 2003 ጀሚሩ ንሽግር እሱራት ብዘጋድድ ትሕተ-ቅርጻዊ ህየሳ ተወሰኽቲ ሸላታት ተሃኒጽሉ፡ ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ቤት ማእስርቲ ብ ኣቃውማኡ ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ኮይኑ፣ እንዳ ደንበ ፖለቲካ፡ እንዳ ኣፍራስ ከምኡ’ዉን ናይ ትሕቲ መሬት ተባሂሎም ዝጽዉዑ ቦታታት ይርከብዎ።