ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ 24 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ ናብ ኢትዮጵያ ፡ ግብጺን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ይበጽሕ ምህላዉ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኢትዮጵያ እተጻፍፎ ዘላ ምህናጽ ዓብይ ዲጋ ብወገን ኩለን ሃገራት ተፋሰስ ኒል ክሕሎ ኣብ ዝድለ ረብሓታት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ክደጋገፍ ምዃኑ ዝሓበረ ክፊሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት በቲ ጉዳይ ክዝቲ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብ መዚ ክልል ትግራይን ዝቃረብ ዘሎ ዘተ ሰላም፣ ምዕባለታት ምብጻጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምኡ’ዉን ኣብ ምርግጋጽ ተሓታተነት ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝምዝገብ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልን ዝብሉ ጉዳያት ብቐረባ ኽግምግም እዩ።
ንጀፈሪ ፈልትማን ተኪኡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ዝነጥፍ ዝነበረ ዴቪድ ሳተርፊልድ ፡ ስራሑ ባዕሉ ድሕሪ ምሕዳጉ ፣ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝሓልፈ 1 ሰነ ንኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ሓላፍነት ከምዝመዘዞ ይዝከር።
ኣመሪካ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ንመበል ሳላሳይ ግዜ እያ ፍሉይ ልኡኽ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትምዝዝ ዘላ።
ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ከም ኣምባሳደር ንሃገረ ቺለ፣ ከም ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ሃገሩ ከም ፍሉይ ተሓጋጋዚን ወሃቢቃልን ብምዃን ነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ ምኩር ፖለቲከኛ እዩ።