ኣካየድቲ ናይ’ታ ንገበናት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ክትምርምር ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመት ኮሚሽን ብ25 ሓምለ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ።

ሓላፊት እታ ጉጅለ ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙሩንጊ ምስ ተሓጋገዝታ ስሪላንካዊት ራዲካ ኮማራስዋሚን ኣመሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ ንኣተገባባራ ስራሕ እታ ኮሚሽን ብዝምልከት ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትዘራረን ምዃና እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብቲ ካብ 3 ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ ኣብ  ኲናት ሕድሕድ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዜጋታትን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ ዝበሃል ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከተጽንዕ ብ17 ታሕሳስ ናይ ዝሓልፈ ዓመት ዝቘመት ኮይና፡ ብ2 መጋቢት ናይዚ ዓመት ነታ ኮሚሽን ዘካይዱ ስለስተ ኣባላት ከምእተመዘዙ ይፍለጥ።

ምብጻሕ ኣባላት እታ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ መቐጸልታ ናይቲ እታ ኮሚሽን ብ22 መጋቢት ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣቶ ጊደዎን ቲመጢዎስ ኣብ ጀኔቭ ዘካየደቶ ዘተ ከምዝኸዉን እዩ ዝሕበር።

ሓላፊት እታ ኮሚሽን ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ 2022 ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 50 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ተረኺባ ኣፈናዊ ጸብጻብ ምቕራባ ዝዝከር ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ሰባት ዝቕጽል ዘሎ ቅትለትን ግህሰትን ኣመና ምስንባዳ ነቲ ብ18 ሰነ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሞ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ብምጥቃስ ገሊጻ ነይራ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እታ መርማሪት ኣካል ካብ ፈለማ ይቛወምን እታ ኣካል እኹል ገንዘባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ከይትረክብ ክዕንቅጽ ፈቲኑን ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣባላት እታ መርማሪት ኣካል ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሑ ምኽኣሎም ፡  መንግስቲ ኣብ መርገጺኡ ምምሕያሽ ገይሩ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።