ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት ወፊሮም ህዝቢ የሸግሩ ኣለዉ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ጸለመ ብማዕከን ዜና መረጃ.ኮም ድሕሪ ምክፋሉ፣ ኣብ’ታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ህዝባዊ ጽለኣት ከይዛይድ ተሰጊኡ።
ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ እቲ ማዕከን ብኣምሓርኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ሳዋ ዝቐሰምዎ ወተሃደራዊ ስልጠና ተጠቒሞም ብዝተራቐቐ ኣገባብ መካይን የጣፍኡን መንበሪ ኣባይቲ ይዝርፉን ኣለዉ ክብል እዩ ዘይሓላፍነታዊ ሓበሬታ ኣቐሚጡ ዘሎ።
እዚ ደዋኒ ሓበሬታ፣ ነቶም ድሕሪ ምብቃዕ ኪዳን መራሒ ህግደፍን ኣቢይ ኣሕመድን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ጸቕጥታት ዝገጥሞም ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝበኣሰ መንቀራቕሮ ዝሸምም ከምዝኾነ እዩ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ’ታ ከተማ ዝሕብሩ።
መረጃ.ኮም ዘናፍሶ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ፡ ናይ’ቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ሕማቕ ዝሓስቡ መንግስታዉያን ይኹኑ ዘይመንግስታዉያን ሸነኻት ድፍኢት ክህልዎ ከምዝኽእል እዮም እቶም ምንጭታት ዘመልክቱ።
ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲሳበባ ንንግዳዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ኣብ ሓጺር እዋን ክዕብልልዎ ከምእተራእዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በቲ ጉዳይ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ጽልዋ ዘለዎም ኢትዮጵያዉያን ነጋዶ ዘይዕጉብነቶም ከርእዩ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።
ኣብ ኣዲሳበባን ከባቢኣን ብስደተን መገሻን ንዝርከቡ ወጻእተኛታት ክምዝግብ ዝቐነየ ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፣ ዕላማ እቲ ጽኑዕ ምምዝጋብን እንተተዘይተመዝጊብካ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ስጒምቲን ክሳብ ሕጂ ንጹር መብርሂ ብዘይምሃቡ፡ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣትዮም ምህላዎም ይንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራዉያን ገያሾ ይኹን ስደተኛታት ንቚጠባ እታ ሃገር ብወግዒን ብዘይወግዒን ይጸልዉ ኣለዉ ዝብል መረዳኣታ ኣዛይዱ ብምህላዉ፣ እቲ ሓድሽ መደብ ብመሰረቱ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምቊጽጻር ዝዓለመ ከምዝኾነ እዉን ኽግለጽ ቀንዩ እዩ።