ምክትል መራሒ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓማድ ዳጋሎ (ሓመቲ) ፣ እቲ ኣብ ጥቕምቲ 2021 ዝተኻየደ ካልኣይ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፡ ኣብ ሃገር ለዉጢ ኣብ ምርግጋጽ ከምዘይተዓወተ ተኣሚኑ።
ሓመቲ ምስ ተለቪዥን ቢቢሲ ናይ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ፡ እቲ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ብወተሃደራዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ከምቲ ዝተነበረሉ ተስፋ ዘነይት ለዉጢ ከመዝግብ ኣይከኣልን ኢሉ።
ብወተሃደራዊ ወገን ተዓብሊሉ ዘሎ እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ፣ ፖለቲካዉያን ሓይልታት እታ ሃገር ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ እንተበጺሐን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንድሌት ህዝቢ ሱዳን ከኽብር ምዃኑ ዘነጸረ ሓመቲ፡ እተን ሓይልታት ኣብ ዘተኣማምን ስምምዕ ኣንተበጺሐን እቲ ወተሃደራዊ ወገን ኢዱ ክስሕብ ከምዝኾነ እዩ ተመባጺዑ።
“ሓሲብናዮም ዝነቀልና ዕላማታት ኣብ ምዉቃዕ ሕጂ ኪዛረበሎም ብዘይደሊ ምኽንያታት ክንዕወተሎም ኣይከኣልናን” ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፣ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከነስምሮ ዝሃቀንና ለዉጢ ኣይተሳኻዓልናን” ክብል እዩ ተሰሚዑ።
ንሱ ወሲኹ፣ ኣብ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብብረታዊ ግብረመልሲ ኣባላት ጸጥታ ናይ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት መንእሰያት ተሓተቲ ንሕና ባዕልና ኢና ክብል እዉን ተዛሪቡ።
ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ፡ ወተሃደራዊ መራሒ እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፋታሕ ኣቡርሃን፣ ወተሃደራዊ ወገን ሱዳን ኣብ’ቶም ሲቪላዉያን ሓይልታት እታ ሃገር ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዘካይድኦም ዝርርባት ጣልቃ ከምዘይገብር ገሊጹ እዩ።
እቲ መራሒ ብ4 ሓምለ ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላላፎ መልእኽቲ፣ ሰራዊት እታ ሃገር በተን ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኣብ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ዘተ ክሳተፍ ዘይመረጸሉ ምኽንያት፣ እተን ሓይልታት ባዕላተን ኣብ ዘካይድኦም ዘተታት ብምድሃብ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ኣማራጺ ከናድያ ንምድራኽ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።
ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሰጋገር ዝጽዉዓ ዘለዋ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ሱዳን ፣ ዕቱብ ምይይጣት ብምክያድ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ጎደና ዘምርሓ ኣማራጺ እንተምጺአን ፣ ሰራዊት ኣታ ሃገር ነቲ ኣማራጺ ኣብ ምዉሓስን ኣብ ምትግባርን ክሰርሕ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፣ እተን ሓይልታት ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኪቐዉን ኣብ ዘኽእል ኣማራጺ እንተዓሊበን፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕምሩ ከብቅዕ ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ።