ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብመራሒ ህግደፍ ዝተጸዉዐ ሽምግልና ሰሚዖም ናብ ኤርትራ ንዝነቐለኡ ገለ መራሕቲን ዓበይቲ ዓዲን ተወለድቲ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ካብ ከባቢ ዶብ ከምዝመለስዎም ፣ ሱዳን-ኣኽባር ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ካብ ከባቢ ተላታዓሸር ክምለሱ ዝተገብረ ወከልቲ ቀቢላታትን ፖለቲካዉያን ሓይልታትን ምብራቕ ሱዳን፣ ብዛዕባ እቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጸዊዖዎ ዝተባህለ ናይ ምሽምጋል ተበግሶ – ምምሓዳር ምብራቕ ሱዳን ወግዓዊ ኣፍልጦ ከምዘይሃቦ ተነጊርዎም ከምእተመልሱ እዩ ሱዳን-ኣኽባር ዝጠቅስ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ሃደንደዋን በንዓምርን ናይ በጃ ንዓመታት ከሳውሮ ዝጸንሐ ግጭት ኣብ ምምሕዳሩን ምፍታሑን ክዋሳእ ምድላዋት ኣጻፊፉ ምህላዉ እዩ ክሕበር ቀኒዩ።
ናብ ከተማ ካርቱም ብቐጻሊ ክበጽሑ ዝተራእዩ ልኡኻት ህግደፍ ፣ መራሒኦም ነቶም ግጭታት ክፈትሕ ዘለዎ ድሌት ዘነጽሩ ደብዳቤታት ናብ ኢድ እዋናዊ መራሒ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደላፋታሕ ኣቡርሃን ከረክቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ብመሰረት ገለ ማዕከናት ዜና ሱዳን፣ እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንኣማሓደርቲን መራሕቲ ቀቢላታትን ምብራቕ ሱዳን ንምሽምጋል ተሰሪዑ ዝተባህለ ተበግሶ ኣብ ዝመጽ ሰሙን ክቃናዕ ምዃኑ እዩ ክንገር ጸኒሑ። ኣብ’ቲ ተበግሶ ንምስታፍ ዝነቐሉ መራሕቲ ቀቢላታትን ወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከይገሹ ክኽልከሉ ምርኣዮም ግና፣ ተበግሶ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝሰምር ኣይመስልን ።
ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ክሳዕ ምንጻል ዝደፍር ፖለቲካዊ ግርጭታት ብምስጢር ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሉ ንምእማን ናይ ተሓላቒን ሸምጋሊን ምስሊ ክሕዝ ከምዝርአ ይፈልጥ ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት 2021 ፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ጸለውቲ ዉልቀሰባት ተወለድቲ ሃደንደዋ ኣብ ከተማ ባጽዕ ምስጢራዊ ርክብ ድሕሪ ምክያዱ፣ ሻቡ ኣብ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪን ምብራቕን ሱዳን ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ በንዓምርን ሃደንደዋን ዝነቀለ ግጭት ብረታዊ መልክዕ ክሕዝ ከምተራእየ ፥ ብፍላይ ተወለድቲ ሃደንደዋ ዝኾኑ ነበርቲ ፖርት ሱዳን ንመስመራት እታ ወደብ ዓጽዮም ናብ ሱዳን ዝኣቱ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ኪዓግቱ ከምዝደፈሩ ኣይርሳዕን።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣካል ናይ’ቶም ቀቢላዊ ግጭታት ሱዳን ብምንህሃር ኣብ ፖለቲካ ኣታ ሃገር ጸላዊ ኢድ ንኽሕዝ ብቐጻሊ ዘሳዉሮም ወፍርታት፣ ኣብ’ቲ ናይ ከተማ ባጽዕ ምስጢራዊ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ክብእስ ዝድለ ቀቢላዊ ግጭት ከምእተዘራረበን መምርሒ ስራሕን ተልኾን ነቶም ተወኪሎም ዝመጻኡ ተወለድቲ ሃደንደዋ ከምዝሃበን ተቓሊዑ ነይሩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ ማይቤታት ሃደንደዋን ብንዓምርን ዘሎ ፍልልያት በብወቅቲ እንዳልዓለን፡ ወገን ኣንዳመረጸን ንዞባ ከሰላ ከምኡውን ዞባታት ቀይሕባሕርን ምብራቅን ሱዳን ኣብ ቀጻሊ ግጭታት እንዳኣተወ ነቶም ግጭታት ናይ ምምሕዳር ኣመል ወኒኑ ከምዘሎ ኣይርሳዕን ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ ደቡባዊን ምዕራባዊን ሱዳን ንዘለዉ ቀቢላዊ ፍልልያት እንዳኣወሸጠ ኣብ ምብትታን ሱዳን መሪሕ ተራ ኪጻወት ምጽንሑ ይፍለጥ።