ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ከድምጽ ዝተመዝገቦ ሓፈሻዊ ምርጫ ኬንያ ሎሚ 9 ነሓሰ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ካብ ዝሓለፉ ምርጫታት ብተዛማዲ ዘየጓንጽ ዉጽኢት ክርከቦ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ምርጫ፡  ምኩር ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋን ፡ ብመንእሰያት እታ ሃገር ተቐባልነት ኣንዳረኸበ ክመጽእ ዝጸንሐ ዊልያም ሩቶን ካብ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ናይ ሕጂ ምርጫ ኬንያ ፣ ነቲ ብተወለድቲ ዓሌት ኪኩዩ ነዊሕ ዓመታት ዝተባሕተ ስልጣን ፕረዚደንትነት ሓድሽ መልክዕ ኪሕዝ ከምዝገብሮ እዩ ዝንገር።

ኣብ’ቲ ምርጫ ናይ ምዕዋት ዕድል ዘለዎም ተወዳደርቲ ካብ ዓሌት ኪኩዩ ዘይምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ እቶም ክልተ ቀንዲ መተሃላለኽቲ ኮይኖም ዘለዉ ኦዲንጋን ሩቶን ፡ እምነትን ድምጽን ተወለድቲ እቲ ንዝገዘፈ ክፋል ሕብረተሰብ ኬንያ ከምዝዉክል ዝንገረሉ ዓሌት ኪኩዩ ንምኽሳብ ፣  ኣብ’ቲ ዉድድር ሓጽየሞም ዘለዉ ምክትላቶም ተወለድቲ እቲ ዓሌት ከምዝኾኑ እዩ ዝሕበር ።

ዉጽኢት ዝሓለፉ ምርጫታት እታ ሃገር  ጠንቂ ሓያለ ግጭታት ኪኸዉን ከምዝተራእየ  ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ዝሳተፉ ዘለዉ ተወዳደርቲ ግና ንዝህሉ ዉጽኢት ተቐቢሎም ከኽብሩ ምዃኖም እዮም ቃል ኣትዮም ዘለዉ።

ነታ ሃገር ንኽልተ እብረ ዝመርሐ ኡሁሩ ኬንያታ ፡ ናይ ነዊሕ መቐናቕንቱ ንዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ራያል ኦዲንጋ ኣብ’ቲ ምርጫ ክዕወት ከምዝደሊ እዩ ክሕብር ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ምርጫ ቀንዲ መተሃላልኽቲ ኦዲንጋ ዝኾነ ዊልያም ሩቶ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብምዃን ክነጥፍ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ምስ’ቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀጻሊ ዘይምርድዳእ ኣትዩ ምንባሩ እዩ ዝንገር።

ህዝቢ ኬንያ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ሓፈሻዊ ምርጫ ፣ ወከልቲ ባይቶኡን ኣመሓደርቱን እዉን ክመርጽዩ ።