ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያን ናብ ፖሊስ እታ ሃገር ድሕሪ ዘቕረብዎ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝቃንዑ ፈስቲቫላት ጉጅለ ህግደፍ – ጽልእን ኲናትን ዝሳወረሎም ናይ ፕሮፖጋንዳ መድረኻት ምዃኖም ዘጋልጹ ጥርዓናት፡ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ተወሳኺ ስክፍታታን ጥርዓናትን ዘለዎም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓበሬታ ዘካፍልሉ ፍሉይ መስመር ክፉት ገይሩ ኣሎ።
ፖሊስ ሆላንድ ፡ ልዕሊ 500 ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ካብቶም ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ምስናዱ እዩ ነዚ ሓጋዚ ስጒምቲ ዘተግብር ዘሎ።
እቶም ደልይቲ ፍትሒ፡ በቶም እቲ ካብ ሃገሮም ዘሳገጎም ስርዓት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ መጽዩ ከቃንዖም ዝፍትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ድግሳት ኩሉሳዕ ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ’ዉን ገለ ካብ’ቲ ናብ ፖሊስ ሆላንድ ዘምልከትዎም ጥርዓናት እዩ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ዝካየድ ፈስቲቫል ዝኾነ ስግኣት ምስዝዕዘቡን፡ ናይ ጽልኢ መደረታት ከምእተዋህቡ ምስዘስተብህሉን ብቕልጡፍ ናብ መስመር ህጹጽ ጻዉዒት ፖሊስ ማለት 112 ክድዉሉ፡ ወይ’ዉን ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ሆላንድ ብጉዳይ ሽበራን ካልእ ስግኣታትን እተመልክተሉ ቅጥዒ ብኣገባብ ኪመልኡን እዩ ፖሊስ ሓቢሩ ዘሎ።