ኣብ ደንበ ፍትሒ ተጸጊዖም ንይምሰል ንዓመታት ክሃልኩ ዝጸንሑን ፣ ህግደፍ ብዝመዝኖም ኣበሳታት ኣብ ጸሊም ሰነዱ ኣስፊርዎም ዝርከብን ገለ ኤርትራዉያን ፣ ካብ ደንበ ፍትሒ ኣርሒቘም ናብ’ቲ ጉጅለ ክጽንበሩ ዘለዎም ህንጡይነት ድሕሪ ምግሃዶም ፣ ንሓጺር እዋን ከም ኣገደስቲ ዉልቀሰባት ተገሚቶም ሕሉፍ ፍቕሪ ክወሃቦም ተወሲኑ ይስረሓሉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣቃሊዖም።
እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፡ ብዝሒ ዘረባን ንፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ዘይዓብስ ዕላላትን ኣብ ምድግጋም ዓመታት ዘቚጸሩ ተመላሶ፣ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብህግደፍ ይቕረ ከምእተባህለሎም ኣምሲልካ ኣብ ሞራልን ተስፋን ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ዕንወት ንምዉራድ ፣ ከም ኣብነታዉያን ሃገራዉያን ተቘጺሮም ምህላዎም ዘእምን ዘይወግዓዊ ሞሳን ምንክብኻብን ከምዝረኽቡ ይግበር ምህላዉ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ካብ’ቶም ንምልኪ ኢዶም ሂቦም ዘለዉ ተወላወልቲ፣ ንገለ ዉሑዳት ከም መስድዒ ናብ ሃገር ከምዝበጽሑን ብዘይጸገም ናብ ዝነበሩለን ሃገራት ምዕራብ ከምዝምለሱን ጌርካ፡ ንብዙሕ ሰብ ንምትላል ተሓንጺጹ ከምዘሎ እዉን እቶም ምንጭታት የረድኡ።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ነዊሕዎም ዝኸድዑ እቶም ወገናት ፣ ኣብ’ቲ ደንበ ከለዉ ብዓይኒ ህግደፍ ፈጺሞምዎ ዝበሃል ገበናት ካብ ሱሩ ከምእተሓድገሎም ይመስሎም ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቐሱ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግን ካብ ዝወላወሉ ጸላእቲን ፈተዉቲን ነቶም ብግህዶን ብመትከልን ዝብድህዎ መቐናቕንቱ ሓለፋ ክብሪ ከምዝህብ ክርሳዕ ከምዘይብሉ እዮም መኺሮም።
እዞም ንኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ራሕሪሖም ዘለዉ ወገናት፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብስም ሓድነትን ሃገራዉነትን እንዳዘመሩ ክሕደቶም ከመኽንዩ ይረኣዩ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ግን ጉዳይ ሓድነትን ሃገራዉነትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓድነትን ሃገራዉነትን ከም መሳርሒ ምልኪ ተጠቒሙ ንመላእ ሃገር ኣብ ባርነትን ኲናትን ዘዳኽም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቘም ይፈልጡ እዮም።
ብሓድነቱን ሃገራዉነቱን ንነዊሕ እዋን ተማቲኡን ተሻቒሉን ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ደንበ ፍትሒ ነዚ ሓድነትን ሃገራዉነትን ንምብትታን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምሲልካ በዞም ተወላወልቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ድሕሪ ህድማ ተዋስኦ ንዝበዝሐ ሓፋሽ ኣገሪሙ ይርከብ።