ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ዝኾነት ሽወደናዊት ፖለቲከኛ ኦሳ ኒልሰን፡ መንግስቲ ሃገራ ልክዕ ከምቲ መንግስቲ ሆላንድ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምዕንቃጽ ዘርኣዮ ዕቱብ መርገጺ ክኽተል ተማሕጺና። ብ15 ነሓሰ ኣብ ሓንቲ ካብ ጋዜጣታት ሃገራ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ሰብ ስልጣን ሽወደን ነቶም ብመሓዉራት ህግደፍ ኣብ ሃገራ ዝቕጽሉ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ደዉ ንምባል ኣበርቲዖም ክሰርሑ እያ ጸዊዓ ዘላ።
ሰብመዚ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ነቶም ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝደናገጹ ኤርትራዉያን፡ ሕቶ ዑቕባኦም ብቚዕ ከምዘይከዉን ኣብ ምርግጋጽ ብኣንክሮ ክሰርሑ ኣተሓሳሲባ ኣላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ሽወደን ኮይኖም ዘይሕጋዊ ግብሪ ክልተ ካብ ሚእቲ ንህግደፍ ዝኸፍሉ ኤርትራዉያን ዉልቀሰባት ይዂኑ ማሕበራት ናይ ሒሳብ መዛግቦም ተመርሚሩ ዘድሊ ግብረመልሲ ኪረጋገጽ ብምጽዋዕ፡ ኣባላት ጸጥታ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመሓዉራትን ወከልቲን ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸሙ በደላትን ምፍርራሃትን ብተገዳስነት ክርእይዎ ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ ኣላ።
ኣቐዲማ ነቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተመደበ ፈስቲቫል ህግደፍ ዝዂንን ተሪር ጽሑፍ ዘስፈረት ኦሳ ኒልሶን፣ እቲ ፈስቲቫል ከምቲ ዝተሓስበሉ ኸይ-ቃናዕ ገለ ምስንኻላት ክፍጠር እዃ እንተተኻእለ፣ ኣብ መጻኢ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መሬት ሽወደን ፖሮፖጋንዳዊ ዘመትኡ ንምዕዋት ዘቃንዖ ፈስቲቫል ከይህሉ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምዃና ኣብቲ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ሓምለ ምስ ኤሪሳት ዝገበረቶ ቃለመሕትት ሓቢራ እያ።
ህግደፍ ዝነኣሰ ተስፋ ደሞክራስያዊ ባይታ ረጊጡ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ምዃኑ ኣብ’ቲ ቃለመሕትት ዘረድአት እታ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ስደት ዝኸይድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያን ኣብ ምእላይ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ሓይልታት ኤርትራ ዘሎ ዘይምትእምማን ጸቢቡ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሊ ኪሕይል ብምልባዉ፡ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ድሮ ሽወደናዊ ዜግነት ሒዞም ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣብ ፖለቲካ ሽወደን ብንጥፈት ክሳተፉ ኣንተኺእሎም፡ ኣብ መበቆል ሃገሮም ዘሎ ምልኪ ንምእላይ ዝሓሸ ጽልዋ ክህልዎም ከምዝኽእል እያ መኺራ።