ህግደፍ ነቶም ገንዘብ ህዝቢ ጥራይ ንምምጻዉ ዝዉድቦም ፈስቲቫላት ደዉ ንምባል ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ካልእ መልክዕ ከትሕዞ ይጓየ ከምዘሎ ወኪላት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ገሊጾም።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓጎስን ምትእኽካብን ህዝቦም ከምዘይብህጉን፡ ልኡኻት ናይ ጓኖት ሓይልታትን ምዃኖምን ኣምሲልካ ንምጽላሞም ሰፊሕ መደብ ተስሪዑ ክስረሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ዘተሓሳሰቡ እቶም ወኪላት፣ ህዝቢ ነዚ ዕምሪ ዘይብሉ ዘመተ ክነቕሓሉ ተላብዮም።
ሓቀኛታት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ቀንዲ ጸላኢኦም እቲ ብፍቕርን ነባሪ-ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ እንዳሸቀጠ ዕምሩን ጁባኡን ጥራይ ከህጥር ዝሓስብ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣሚኖም ይቃለሱ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ወኪላት፡ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ሓድነቱን ባህሊ-ምድግጋፉን ዘንጸባርቐሎም ፈስቲቫላት ብሕቡእ ድሌታት ጉጅለ ህግደፍ ተጨዉዮም መናሃርያ ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ልዑል ገንዘባዊ ኣታዊን እቲ ጉጅለ ጥራይ ኮይኖም ከምዘለዉ ክርዳእ ተላብዮም።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ፡ ንፍቕርን ሓድነትን ህዝቦም ኣሚኖም ፡ ህዝቦም ተቛዳሲ ምሉእ ሓርነት ንኪኸዉን ዝቃለሱ ዘለዉ እምበር ፣ ሃገሮም ክብትኑ ዝነኣሰ ዕላማ’ዉን ከምዘይብሎም ዝመኸሩ እቶም ወኪላት፣ ብነባሪ ፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ልቡ መሊእሉ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ንታሪኻዊ ሓድነት ህዝቢ ኪሻቐጠሉ ተሊሙን፡ ደለይቲ ፍትሒ ከም ተጻያት እቲ ሓድነት ንምምሳሎም ይጓየን ምህላዉ ኣረዲኦም።
ነቶም ኣብ ደንበ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ንረብሓን ኣድህቦን ኢሎም ተጸጊዖም ቃልሲ ኪጎቱ ዝጸንሑ እሞ ኣብ’ዚ እዋን ናብ’ቲ ጉጅለ ኢዶም ሂቦም ዘለዉ ውሑዳት ኣብ ቅድሚት ኣምጺእካ፣ ተመክሮኦምን ትዕዝብቶምን ኣብ’ቲ ደንበ ብሓሶት ንምምስካር ይስራሕ ከምዘሎ ወሲኾም ዘዘኻኸሩ እቶም ወኪላት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እዚ መላኺ ጉጅለ ብተግባር ዝሓልፎ ዘሎ ጸገም ኣጸቢቚ ስለዝፈልጥ ግን እቲ ተተሊሙ ዘሎ ሽርሒ ክዕወት ከምዘይኮነ ልዑል እምነቶም ይገልጹ።
እዞም ንኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ራሕሪሖም ዘለዉ ወገናት፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብስም ሓድነትን ሃገራዉነትን እንዳዘመሩ ክሕደቶም ከመኽንዩ ይረኣዩ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ግን ጉዳይ ሓድነትን ሃገራዉነትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓድነትን ሃገራዉነትን ከም መሳርሒ ምልኪ ተጠቒሙ ንመላእ ሃገር ኣብ ባርነትን ኲናትን ዘዳኽም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቘም ይፈልጡ እዮም።
ብሓድነቱን ሃገራዉነቱን ንነዊሕ እዋን ተማቲኡን ተሻቒሉን ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ደንበ ፍትሒ ነዚ ሓድነትን ሃገራዉነትን ንምብትታን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምሲልካ በዞም ተወላወልቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ድሕሪ ህድማ ተዋስኦ ድማ ኣካላ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ ምስሊ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ በሊልካ ካብ ህዝቦም ንምርሓቕ ሰሪዕዎ ዘሎ መደብ እዩ።