ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዝካየድ ግፋን ማእሰርቲን ቀይዱ በቲኹ ምህላዉ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ኤርትራዉያን ካብ ገዝኦምን ፍቐዶ ጎደናታት እታ ከተማን ይልቀሙ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከም ልማዱ ስቕታ መሪጹ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ጨንፈር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ግብረሰናይን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ምዝራብ ኣርሒቐን ብምህላወን እዉን፡ ጸገም እቶም ስደተኛታት ዕለታዊ ይብእስ ኣሎ።

እቲ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኪካየድ ዝጸንሐ ማእሰርቲን ግፋን ኤርትራዉያን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቓት እንዳተጸንበርዎ ተርእዮታት ጭዉያ ይዛይድ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ገለ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ፡ ገጾም ዝሸፈኑ ዕጡቓት ናብ መነበሪ ገዛዉቲ ኤርትራዉያን ብሓይሊ ብምእታዉ ሰባት ይጨውዩ ከምዘለዉ ክሕበር ቀንዩ እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ከም ምንጪ ገንዛባዊ ኣታዊ ብምሕሳብ፡ ቀጻሊ ብዘይምኽንያት ክገፉን ክኣስሩን ምጽናሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ግን ፍልይ ዝበለ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ብስንኪ ህዝባዊ ተቛዉሞ ዝቕጽል ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት እንዳመኽነዩ፡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናይ ዝንብሩለን ሰፈራታት እንዳወፈሩ ይገፉን ይኣስሩን ከምዘለዉ፡ ኤርትራዉያን ክሳብ 300,000 ፓዉንድ ሱዳን ንመልቀቒ ተሓቲቶም ወጽዮም ከይኣይክል፡ ዳግማይ ይእሰሩን ነቲ ልዑል መጠን ገንዘብ ይሕተቱን ምህላዎም ኽግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቶም ዝእሰሩ ስደተኛታት ዋላኳ ገንዘብ ከፊሎም ዝወጹ እንተኾኑ፡ ኣብ ምልቃቘም ዝወሃቦም ሰነድ ይዂን መስነይታ ስለዘየለ፡ ንልዕሊ ክልተ ሰለስተ ግዜ ተወሲዶም መለቀቒ ገንዘብ ይሕተቱ ምህላዎም ይንገር።

ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ቊጠባዊ ቅልዉላዉ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሓፈሻ ንኣባላት ጸጥታ ድማ  ብፍላይ ብመነባብሮ ክሽገሩ ገይሩ ብምህላዉ፡ ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ነቶም ኤምባሲኦም ከይተረፈ  ክጣበቐሎም ኣይክእልን እዩ ኢሎም ዝሓብስብዎም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም ቀጥታዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ወሲዶሞም ይርከቡ።

ኣብ ሞንጎ ተራ ኣባላት ጸጥታን ኣመሓደርቲ ኣብያተ ማእሰርቲም ከተማ ካርቱም ጥቡቕ ናይ ረብሓ ዝምድና ተራጒዱ  ከምዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታት ኤሪሳት፡ ሓደ ኣባል ጸጥታ ብዝገፎን ዝኣስሮን ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ መጠን ምስ ኣካያድቲ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ገንዘብ ከምዝማቐል እዮም ዘረድኡ።

ብፍላይ ወነንቲ ትካላት ዝኾኑ ኤርትራዉያን ስደተኛታት በዚ ዘሎ ኩነታት ሓለፋ ይምዝመዙ ከምዘለዉ እዉን ይንገር።