ህግደፍ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዝዛይድ ዘሎ ተቛዉሞ ከይፈተወ ኣፍልጦ ክህቦ ይርአ ኣሎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ብሽማግለ በዓላት ማእከላይ ኮሚቴ ኤርትራዉያን ነበርቲ ጀርመን ዝወጸ መግለጺ ከም መወከሲ ኣቐሚጡ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር ጽሑፍ፣ በቶም “ገበነኛታት”  ክብል ከይሓነኸ ዝጸዉዖም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተራእየ ናዕቢ ፡ “ክትጻወሮ ዘይከኣል እምባጋሮ”  ብምባል እዩ ዘስደምም ዘረባ ኣካፊሉ።

እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ ሕግን ሕጋዉነትን ክዉርጽጽ ብምፍታን፡ እቲ ብቚጥዐ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝነቐለ ተቛዉሞ ናብ ቤት ፍርዲ ጀርመን ቀሪቡ ግቡእ መኣረምታ ኪምሕደረሉ እዩ ብድፍረት ኣተሓሳሲቡ።

ህዝባ ብዘይክስን ፍርዲን ዝዳጎነላ ሲኦል ኽትከዉን ንዘብቅዐ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ዘገልግል ዘሎ ሚኒስተር የማነ፡ ብዛዕባ ገበናዉነትን ሕጋዉነትን ናይ’ቲ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተፈጥረ ኩነታት ክዉሕልል ክብል ፡ ከይተረደኦ ነቲ ኣብ ስደት ብኤርትራዉያን መንእሰያት ኣንጻር ህግደፍን ንጥፈታቱን ዝሕይል ዘሎ ተቛዉሞ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ።

ብዛዕባ ህላዌን ንጥፈታትን ናይቶም ኣብ ስደት ኮይኖም ንምልኩ ዝቃወሙ ኤርትራዉያን ንልዕሊ 20 ዓመታት ክዛረብ ዘይተሰምዐ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሕጂ ኤርትራዉያን መንእሰያት ቊጠዓኦም በሪኹን ዓቕሎም ተጸንቂቚን ናብ ጎነጽ ክኣትዉ ዘገድዶም መድረኽ ምስተበጽሐ’ዩ ፡ ሚኒስተር የማነ  ንሻቕሎት ናይ’ቲ ዘገልግሎ ዘሎ ጉጅለ ዘቃልዕ ንኡስ መግለጺ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ሰዂዑ ዘሎ።