ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሓድሽ ግጭት ከምእተኽፈት ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናይ 24 ነሓሰ ዝተወልዐ ግጭት ኣየናይ ወገን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ ዝሰዓበ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ እኳ እንተሃለወ ፣ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ፡ ሰራዊት ፈደራል ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ተላፊኖም ብሸነኽ ደቡባዊ ግንባር መጥቃዕቲ ምኽፋቶም እዩ ከሲሱ ዘሎ።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ካብ ሰዓት 5 ንግሆ ናይቲ ዕለት ጀሚሩ ብወገን ጩቤ በር፡ ጃኖራ፡ ጉባጋላን ያሎውን መጥቃዕቲ ከምእተኸፍተ እዩ ዝሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተወሊዑ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ግጭት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣየካፈለን ዘሎ።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብ9 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ደደቢት ዝርከቡ ሓይልታቱ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዘውጻኦ መግለጺ ድማ ፡ እቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዘተ ሰላም ንምዕንቃፍ ብህወሓት ዝተኣልመ ምዃኑን እዩ መሊሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዘሎ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ ዘለዎ ድሌት ቀጻሊ ምዃኑን፡ ንምዕዋቱ ዘድሊ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎን ሚኒስተር ኣገልግሎታት መራኸቢታት ለገሰ ቱሉ ብ20 ነሓሰ ምግላጹ ይዝከር። እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ብመንግስቲ ዝቘመት ኮሚተ ዘተ ሰላም ድሮ መጽናዕታ ኣጻፊፋ እማመታታ ነቲ ዘተ ዘላም ክመርሕ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣቕሪባ ከምዘላ ኣነጺሩ ነይሩ።

“ሓይልታት ትግራይ ነቲ ዘተ ንምትዕንቓፍ ንሓድሽ ኲናት ይዳለዉን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ተጻባኦ ይኸሱን ኣለዉ” ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ንዝኽእሉ ኣካይዳታት እንተታትን ንምብዳህ ድሉው እንዳሃለወ ንሰላማዊ ዘተ ዝገዘፈ ቀዳመንት ሂቡ ይጽዕት ምህላዉ እዩ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዉሽጢ እዚ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ብሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምእተኸፍተሎም ምሕባሮም፣ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ዘቕርብዎም ምኽንያታት ብዘየገድስ፡ እቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዘቚጽር ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦን ክሽብሸበሉ ዝጸንሐ መስርሕ ሰላምን ኣብ ቅሉዕ ሓደጋ ወዲቚ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።