ማሕበረሰብ ዓለም ንዳግማይ ምቅልቓል ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሻቕሎትን ኩነኔን ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ነፈርቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ 26 ነሓሰ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ከምዘካየዳ ተሓቢሩ። ተለቪዥን ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ በቲ ደብዳብ  ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ሞትን መቚሰልቲን ከምዝሰዓበ ኣመልኪታ ኣላ።

ሚኒስተሪ መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ ሓይሊ ኣየር ሃገሩ – ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስንቂን ኣብ ልዕሊ ዝተኸዘነሉ ከባቢ መቐለ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ብምሕባር ፣ ህዝቢ ወተሃደራዊ ዕልማታት ኪኾኑ ካብ ዝኽእሉ ቦታታት ከርሕቕ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ምጅማረን ፣ እቲ ዳግማይ ተወሊዑ ዝበሃለሉ ዘሎ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ዝሃድእ ከምዘይመስል ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ።

ሓያለ መንግስታትን፡ ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ትካላትን  ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ’ቲ ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ብምምራሕ ፍልልያቶም መዕለቢ ኪገብርሉ ኣትሪሮም ይጽዉዑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መንግስታት ሃገራት ምዕራብን ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ፡ በቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ከምእተሻቐሉ ብምንጻር፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ከማዕድዉ እንተዘይክኢሎም ፡ ድሮ ብሰንኪ ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ኲናት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ዝርከብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ዝበኣሰ ህልቂት ኽግደድ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብ24 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ ትግራይ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ከባቢ ሰዓት 5 ወጋሕታ ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ውግእ ከምዝተኸፍተ ሓቢሩ እዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ኣብ’ቲ ዕለት ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከምዝጀመርዎ እዩ ከሲሱ።