ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢታት ሳሕል ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እምባልቆ፡ 322 ዜጋታትና መሪር ስቓይ የሕልፉ ምህላዎም ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ኣቃሊዑ። እቲ ምንቅስቓስ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግድፍ ናይ ዝቕጽል ዘሎ ስቓይ ህዝብና ንምቅላዕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምባልቆ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣካፊሉ ኣሎ።
ኣብ’ቲ ብኽልተ ሓይሊ ዝሕሎ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ፣ 65 ካብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ኢትይጵያ ዝተጨውዩ፣ 16 ካብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣፍዓበት ተኣሲሮም ዝመጹ ሶማላውያን፡ 160 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ስራዊትን፣ 14 ካብ ሚኒስትሪታት መንግስቲ፣ 32 ካብ ሱዳን ዝመጹ ሲቪል ፣ 35 ድማ ንልዕሊ 7 ዓመት ኣብ’ቲ ቦታ ዝተኣስሩ ዝርከብሉ እዩ።
ኣባላት ስታፍ እቲ ቤት ማእሰርቲ ፣ ካፕቴን ፍትዊ ገብረኪዳን (ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ)፡ ም/ተለንተ ሮሞዳን ዓሊ ማሕሙድ (ጸሓፊ)፡ ኣስመሮም ሃብተ ሃይለማርያም (ቁጠባ)፡ ተለንተ ኣብረሃለይ ተስፋንኪኤል መስፍንን ሰርጌንቲ መሓመድ ማሕሙድ እድሪስን (መርመርቲ) ፡ ወልደሩፋኤል ብርሃነ ልብሱ (ሓኪም) ምዃኖም እዉን ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ኣብ ሓበሬታኡ የመልክት ።
ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ብሰንኪ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ፡ ጥምየትን ጉድለት ጽሬትን፡ እሱራት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ኪቃልዑ ከምዝረኣዩ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ፣ ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 6 ዓመታት ጥራይ 11 እሱራት ከምዝሞቱ የረድእ። ኣብ ማእሰርቲ ዝሞቱ ግዳያት ዝቕበርሉ ቀጽሪ ዝዉንን እቲ ቤት-ማእሰርቲ ፣ 10 ካብ’ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ 11 እሱራት ኣብ’ቲ ቀጽሪ ኪቕበሩ እንከለዉ ፣ እቲ ዝተረፈ ሓደ ግን ሰራሕተኛ ሆቴል ኣፖሎ ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነብሩ ሬስኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2018 ንስድራቤቱ ከምእተረከበ ይንገር።
ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ 2015 ዝተኣስራ ዝርከብአን 6 ደቂኣንስትዮ ስቓይ የሕልፋ ከምዘለዋ፣ ብዘይካ’ዚ ንልዕሊ 7 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ሓታቲ ተታሒዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሽዱሽተ ሽማግለታት ነበርቲ ናቕፋ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ቤት ማእሰርቲ እምባልቆ፡ ኣቐዲሙ መዓስከር ክፍሊ ስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረን ካብ 2006 ጀሚሩ ዛጊት በቲ ክፍሊ ዝመሓደር ዘሎን ኮይኑ፣ በብእዋኑ ብጉልበት እሱራት ክህነጽ ብዝጸንሐ ናይ ትሕቲ መሬት ጎዳጉዲ/ ኣንደራት ኣዝዩ ስለዝሰፍሐ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ዓቢይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይሩ ይርከብ።