ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቆቦ ከምዝተቈጻጸሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምሕባሩ ፡ ኣብ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ ተገሊጹ ። ናብ ክልል ኣምሓራ ዳግማይ ብዝልሕም ዘሎ ኲናት ንዝተፈጥረ ከቢድ ወጥሪ ስዒቡ ሓያለ መግለጺታትን መምርሒታትን ኪወጽእ ጀሚሩ ኣሎ ።
ምምሕዳር ከተማ ወልዲያ ፡ ህዝቢ ረጊኡ ከባቢኡ ክሕሉን ፡ ንልፍንታዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ድማ ውሑስ ደጀን ክኸውንን ኣብ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ። እቲ ምምሕዳር ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ተወሃሂዶም ነቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝመጾም ዘሎ መጥቃዕቲ ይምክቱ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ህዝቢ ልክዕ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ረጊኡ ከባቢኡ ኣብ ምሕላው ክተግህ፣ ነቶም ልፍንታውያን ሓይልታት ድማ ግቡእ ደገፍ ብምሃብ ደጀን ክኾኖም ጸዊዑ ኣሎ ።
ምምሕዳር ወልዲያ ፡ እቲ ኲናት ካብ መሬት ራያ ከምዘይሓለፈ ብምሕባር ፡ ኣብ ከተማ ወልዲያ ብስልኳታት ክካየድ ዝተሓስበ ህዝቢ ናይ ምርዓድ ፈተነታት ከምዘይተዓወተ ዩ ዝገልጽ ።
ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ደባርቅ ብወገኑ ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ እቶ ዝኣወጀ ኮይኑ ፡ ዝኾነ ተፈናቒሉ ኣብ መዕቆቢ ዝርከብ ሰብ ድሕሪ ሰዓት 6 ክንቀሳቀስ ከምዘይፍቀድ ፡ መራሕቲ ባጃጅ’ውን ድሕሪ ሰዓት 7 ምሸት ክንቀሳቀሱ ከምዘይፍቀደሎም ብምሕባር ፡ ነዚ ዝጠሓሰ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቁ ኣሎ ።
ወነንቲ ሆቴላት መንነቱ ዘይንጹር ፡ ወይ ውን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጠመትዎ ሰብ ምስ ዝመጾም ብህጹጽ ናብ ናይ ጸጥታ ኣካላት እታ ከተማ ክሕብሩ ፡ ወነንቲ ኣባይቲ ውን ምሉእ ፎርምን መንነትን ናይ ኣብ ቤቶም ዝቅመጥ ሰብ ናብ ፖሊስ እታ ከተማ ከቕርቡን ጸዊዑ ኣሎ ። ነዚ ኩሉ ሕግታት ዝጠሓሰ ከኣ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስደሉ ኣጠንቂቁ ይርከብ ።
ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ብወገኑ ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሌና 3ይ ወራር ኣዊጆም ብምባል ፡ ህዝቢ ሰሜን ወሎ ኣብ ቀጠና ኲናት ዝነብር ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ኣምሓራን ተሰሊፉ ክምክት ጸዊዑ ኣሎ ።
ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ፡ ህዝቢ ካብ ፕሮፖጋንዳዊ ሓበሬታታት ክጥንቀቅን ከይሽበርን ብምሕባር ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ጥራሕ ከምዝወሃብ ፡ ዝኮነ ዘጠራጥር ሓበሬታ ምስ ዝርከብ ከኣ ህዝቢ ንሓይልታት ጸጥታ ክሕብር ጸዊዑ ።