ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ኽካየድ ምምሳዩ ምንጭታት ኤሪሳት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ። ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝቕመጥሉ ከባቢታት ዘምሰየ ግፋ ካብ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ዝጀመረ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
በቲ ናይ ስደተኛ ወረቐት ንዘለዎም ኤርትራዉያን ብምልቃም ኽካየድ ዘምሰየ ግፋ ሓያለ ወገናትና ተወሲዶም ኪኾኑ ከምዝኽእሉ ሻቕሎቶም ዘካፈሉ እቶም ምንጭታት፣ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙ ጸዊዖም ኣለዉ።
ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ብኣልማማ ኪገፉ መደብ ተሰሪዑ ምጽንሑ ምንጭታትና ኣቐዲሞም ምሕባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ኣብ መንገዲን ገዛ ገዛ ኣንደኣተኻን ዝካየድ ግፋ ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሪሽንን ዜግነትን ቀሪቦም ክምዝገቡ ሰሪዕዎ ዝነበረ ገደብ ግዜ ምዝዛሙ ኽካየድ ተመዲቡ ዝጸንሐ እዩ።
ዕላማ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝነብሩ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝተኻየደ ምዝገባ ክሳብ ሕጂ ብዘይምንጻሩ፣ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ቀጻሊ ሻቕሎት ምጽናሖም ይፍለጥ።
ድሕሪ’ቲ ብ31 ሓምለ ዝተዛዘመ ምዝገባ ፣ ሰፊሕ ግፋን ተፍትሽን ክህሉ እዩ ዝብል ወረ ክባዛሕ ምጽንሑ እዉን ኣይርሳዕን።
ኣብ ኣዲሳበባን ከባቢኣን ብስደተን መገሻን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኽምዝግብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፣ ዕላማ እቲ ጽኑዕ ምዝገባ ጥራይ ዘይኮነ እንተተዘይተመዝጊብካ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ስጒምቲ እዉን እንተኾነ ንጹር መብርሂ ክህብ ኣይተሰምዐን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራዉያን ገያሾ ይኹን ስደተኛታት ንቚጠባ እታ ሃገር ብወግዒን ብዘይወግዒን ይጸልዉ ኣለዉ ዝብል መረዳኣታ ኣዛይዱ ብምህላዉ፣ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ጽኑዕ ምዝገባ ብመሰረቱ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምቊጽጻር ዝዓለመ ኸይከዉን ብተደጋጋሚ ክለዓል ዝጸንሐ ስክፍታ እዩ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መሪሕነትን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ኣሉታዊ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።