መበል 61 ዓመት መጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢን ስደትን ብዝርከቡ ዜጋታት ይዝከር ምህላዉ ወኪላት ኤሪሳት ሓቢሮም።
ገለ ነበርቲ ከታማታት ሃገርና በብዉልቆም ንወኪላት ኤሪሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት፡ ባሕቲ መስከረም – ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ድሕነቱን ብቕልጽሙ ከዉሕስ ከምዝኽእል ኸምስክር ዝተበገሰላ ዕለት ብምዃና፡ ካብ ካልኦት ዕለታት ፍልይቲ ከምዝገብራ ጠቒሶም ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ቃልሲ ናጽነቱ ምጭባጡ ድማ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ተተበጊሱ ዝበጽሕ፡ ተሓሊኑ ድማ ዝረትዕ ዘይክማህ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ባሕቲ መስከረም ፡ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ ብውሑዳት ጀሚሩ ብሓፋሽ ከምዝዛዘም ዘመስከረት ወርሒ’ያ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሓልፎ ንዘሎና ዘቤታዊ መግዛእቲ ኸብቅዕ ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ብዉሑድ ቊጽሪ ዝጀመረ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ፡ ህዝቢ ኽስዕቦን ኽከታተሎን ጀሚሩ ብምህላዉ ፡ እቲ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ፡ ንሓርነት ዝካየድ ዘሎ ኻልኣይ ቃልሲ ንኽዕወት ኣብ’ዛ ፍልይቲ ዕለት መብጸዓናን ኸነሐድስ ጸዊዖም።
ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት እዉን ፡ ነዛ ረዛን ዕለት ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኽዝክሩን ፡ ምልኪ ካብ ሃገርና ኽእለ ከምዝኽእል ንዘሎ እምነት ዳግም ኸሐድሱን ዉዒሎም ኣለዉ።