“ኩነታት ኤርትራ ከምዘመልክቶ፣ ስርዓታት ምልኪ ብተወርሶ መርዛማት ክንዲ ዘሎ ጻዕሪን ጽምዶን እንተተፈተነ እዉን  ንምእራሞም ኣጸጋሚ ከምዝኾነዩ!”   ስቲቨን ዎከር

 

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ቲ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንምዂናን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ዘቃንዖ ፍሉይ ኣኼባ፣ እታ ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ክረምሊን ንዝመጽዋ ትእዛዛት ምኽታል ዝለመደት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጽልዋ ቭላድሚር ፑቲን እትርከብ ቤላሩስ ጸግዒ ሩስያ ሒዛ ነቲ ኲነኔ ኪትቃወሞ ትጽበዮ እዮ፣ መንግስቲ ሶርያ እዉን መለሳ ናይቲ ካብ ሩስያ ዝረኽቦ ወተሃደራዊ መድሕን ጸግዒ ሩስያ ኪሕዝ ዘሰንብድ ኣይኮነን፣ ሰሜን ኮርያ እዉን እንተኾነት ምስ ሩስያ ወጊና ኣይፋል ከተስምዕ ንቡር እዩ፣ እቲ ዘደንጹ ግን ንምንታይ እያ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ምስ ሩስያ ርኡይ ዝምድና ዘይጸንሓ ንእሽቶ ሃገረ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ መሳርዕ ምዉሓስ ስርዓተ ሕጊ ደዉ ኢለን ኣንጻር ወራር ከድምጻ ዝተራእያሉ ጂኦ-ፖለቲካዊ ህሞት ንኣህጉራዊ ሕግታትን ልምድታትን ዝፈታተን ዘይኣርባሒ መርገጺ ኪትወስድ መሪጻ ዝብል እዩ?

ስርዓታት ምልኪ ብተፈጥረኦም መርዛማትን ሃወኽትን ኮይኖም ፡ ዝኾነ ዓይነትን መጠንን ጽምዶ ኪልዉጦም ወይ ኪእርሞምም ከምዘይክል ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንምዕራባዊ ዓለም ጽቡቕ ጌሩ ዘዘኻኸረና ኮይኑ፣ ካብ’ዚ ብዘይፍለ ብዛዕባ ኤርትራ እኹል ግንዛቤ ክንዉንን ግቡእ ይኸዉን።

ኣብ 2019 ከም ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ተመዲበ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝኣተኽሉ ፣ ከም ኩሎም ናብ’ታ ከተማ ንፈለማ ዝበጽሑ ገያሾ፡ ብጽባቐኣ ተገሪመ እየ። ምስጋና ነቶም ብናይ ኣርቲዴኮ ህንጻታት ዝማዕረጉ ጎደናታታን ምቹእ ኩነታት ኣየራን። ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ውድብ ትምህርቲ፡ ስነፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ‘ዩኔስኮ’ ዝሰፈረት ከተማ እያ።

እቲ ሓቂ ግና፣ ኤርትራ ዘባህርር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝርከባ ቤት እያ። ምቊዋም ገበን እዩ፣ ነጻ ፕረስ የሎን፣ ኣብ ትሕቲ ግዱድን ፈጽሚ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜጋታት ይዕስክሩን ኣብ ዝዉሰነሎም ሲቪላዊ ስራሕ ይመደቡን፣ እታ ሃገር ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን፣ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፍርሂ እዮም ዝነብሩ፣ ፖሊስን ስለያን ኣብ ቀጻሊ ምስቓይ ዜጋታት ይሃልኩ፣ ሰባት ዝበደልዎ ከይተነግሮም ይእሰሩ ዕድል ገይሮም እንተተፈትሑ እዉን ገበኖም ከይተነግሮም ብዛዕባ ዝወረዶም በደል ከይዛረቡ መጠንቀቕታ ይወሃቦም፣ ሰዉራዊ መርሓታት ቊጠባ ነታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ድኽነትን ክትነብር ጥራይ ዘይኮነ ዘተስፍዉን ዝጭበጥን ልምዓታዊ ትሕተ-ቅርጺ ዛጊት ክትዉንን ኣየኽኣልዋን፣ ቅድሚ ምኽሳት ለብዒ ኮቪድን ምዉላዕ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያን እዉን እንተኾነ ዜጋታት ካብን ናብ ሃገር ኪገሹ ነጻነት ስለዘይነበሮም፣ ዕለታዊ ኣማኢት ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ፈሊሶም እዮም።

እቲ ስርዓት ፍጹም ቊጽጽር እዩ ባህጉ። ገደብ ዘይብሉ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ተግባራዊ ገይሩ ንኹሉ ዜጋ ኣብ ቀጻሊ ወፈራ ከህልኾ ይርአ።  ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ ሃይማኖታት ጥራይ እየን በቲ ስርዓት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለወን፣ ካብ’ዚ ወጻኢ ገበን እዩ። ኤርትራዉያን ብገምጋም ካብ 330 ዶላር ኣመሪካ ዘይበዝሕ ገንዘብ ወርሓዊ ካብ ሒሳባት ባንኪ ከውጽኡ ጥራይ እዩ ዝፍቀደሎም፣ ንሱ እዉን ኣብ ባንክ ብኣካል ተረኺቦም እዮም ዘውጽዎ፣ እቲ ምኽንያት ብATM ይኹን ብonline ገንዘብካ እተንቀሳቕሰሉን እተዉጸኣሉን ኣገልግሎት ስለዘየለ።

ዜጋታት ካብ ሃገር ወጻኢ ኪገሹ ግድን ናይ መዉጽኢ ቪዛ ክረኽቡ ዕድል ኪገብሩ ኣለዎም። ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝገብር መገሻታት እዉን ብዘይ’ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኬላ ብኣባላት ጸጥታ እቲ ስርዓት ትሕተቶ ናይ መሕለፊ ፍቓድ ወረቐት ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርክሉ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ናብ ሓደ ብብሕቲ ዝዉነን ትካል መርባሕቲ ከብቲ ኪበጽሕ መዲበ ነይረ። እዚ ኪኸዉን እንተኾይኑ ግን ካብ’ቲ ትካል ዝመጻኒ ናይ ዕድመ ጽሑፍ ፈለማ ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተላኢኹ ፍቓድ ኪረክብ ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ተላኢኹ ናይ መገሺ ፍቓድ ይግበእኣኒ ድዩ ኣይፋል ኪውሰን ምዃኑ እዩ ተነጊሩኒ።

ናይ ቅድም ፖለቲከኛን ሞያተኛ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ዝኾነት ኤያን ኪርክፓትሪክ ነታ “ዉልቀመላኽያንን ድርብ ዕያራቶምን” እትብል ህብብቲ መጽናዕታዊት ሓጻር ጽሑፋ ክትጽሕፍ እንከላ ኤርትራ ከም ልኣላዊት ሃገር ኣይነበረትን። እንተኾነ እዛ ሕጂ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህዉኽ ስርዓት ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ፡ ኣብቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ዉልቀመለኽቲ ኣብ ምቕታል ነጻነታትን ምንዋሕ ሃወኽን ልዕሊ ካልኦት ገሃስቲ ስርዓታት ዝለዓለ ጽልዋ ከምዘለዎም ንዝትርኽ መጎት ፡ እታ ዝቕረበት ኣብነት ኮይና ንረኽባ። ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተመሃራይ ኮሌጅ ከለኹ ነቢበዮ ነይረ፡ ዘመሓላለፎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ግን ዘንጊዐዮ ጸኒሐ።

ፈለማ ናብ ኤርትራ ተመዲበ ኣስመራ ኣብ ዝኣተኽሉ፣ ብዓቕሊን ሓያል ስራሕን ንሃናጺ ጽምዶ ብምትስፋዉ ኣብ ሞንጎ ሃገረይን ኤርትራን ዝጸንሐ ዝምድና ንምምሕያሽ ህርፋን ነይሩኒ እንተበልኩ ሓሶት ኣይኮነን። ነዚ ኣወንታዊ ተስፋ ኣነ ናይ ፈለማ ዲፕሎማሰኛ ኣይኮንኩን። ሓያለ ናብ ኤርትራ ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ፈለማ ምስ ምሉእ ተስፋን ሓይሊን ዝመጽኡ ኾይኖም፡ ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ግዳ ዝጭበጥ መለሳ ከይረኣዩ ተሰላኽዮምን ጒህዮምን ክምለሱ ኢኻ ትዕዘብ ።

ጻንሖተይ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ኣጋጣሚታት  ዝተመዝገቦ እዩ ዝነበረ። ምኽሳት ለብዒ ኮቪድ ፣ ከምኡውን ምዉላዕ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያን ተሳትፎ ኤርትራ  ኣብ’ቲ ኲናት ዝጠንቊ ወሰኻ ምሕርፋፍ ዝምድናታት ሃገረይን ኤርትራን ዝርከብዎም ምዕባሌታት ገለ ካብኡ ነይሩ። ናይ ኤርትራ ተመኩሮይ ፡ ስርዓተ ምልኪ ዝወልዶም ፍሉያት ብድሆታት ከመይ ከምዝመስሉ ብቐረባ ምሂሩኒ ክብል ይኽእል’የ። ከም ሞያተኛ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ፣ ምስ ብምልኪ ዝምራሓ ሃገራት ብኸመይ ትጸምድ ኣብ ዝብል ርድኢት ፡ ምስ’ቲ ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ኤያን ኪርክፓትሪክ ዝሰፈረ ክልሰሓሳባዊ ቀረጻ ብምዝማድ ፡ ኣብ ገለ ውሑዳት መደምደምታታት ኪዓልብ ኽኢለ። እዞም መደምደምታታት ናይ ዉልቀይ ርእየታት እምበር ንናይ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝዉክሉ ኣይኮኑን።

1:

ብምልኪ ምስ ዝምራሓ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ዋጋኣልቦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡  ድምዶን ዘተን ይብርሆ እዩ። ምስ ዝኾነ ወገን ክዛተን ክጸምድን ዘርእዮ ቅሩብነት ድማ ንኹፍትነቱን ናይ ኢሂን-ሚሂን  ድሌቱን ዘመላኽት ክመስል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ሰብስልጣን ኤርትራ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወከልቲ ኣብ ዘካይድዎም ጽምዶታት ዝልለይሉ ሓደ ባህሪ ኣሎ። ንሱ ድማ ስርዓቶም  ንመስርሕ እቶም ጽምዶታት ብዝምልከት ሕድገታት ኽገብር ቅሩብ ምዃኑ፡  ኣብ’ቲ ክጽመደሉ ዝምደብ ጉዳይ ዝሕዞ መትከል ግን ዝቕየር ከምዘየለ እዮም ዝዛረቡ። እዚ ማለት ፣ ምስቲ ስርዓት ፈጽሚ ኣብ ዘይርከቡ ጽምዶ ክንዲ ዝተዛተኻ ተዛተ ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንዘዉርዶ በደላትን ምስ ጎረባብቱ ሃገራት ንዘንቅሎ ጎነጽንን ሃወኽን ደዉ ከተብሎ ዘኽእል ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ንዓሰረታታት ዓመታት ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ኢዱ ከስሉኽን ኣብተን ሃገራት ግርጭታትን ኲናት-ሕድሕድን ከሳዉርን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ርዱእ እዩ፡ ኣብ ዲፕሎማስኛታት ምምሕዳራት ዋሺንግተን ይዂን ካልኦት ሃገራት ፡ “ንሃናጺ ጽምዶ ቀዳምነት ምሃብ” ዝብል ዝንባለ ኣሎ ። ምስ ምልካዉያን ስርዓታት ዝፍለሙ ጽምዶታት ግና ብጥንቃቐ እንተዘይተማሕዲሮም ፡ ነቶም ስርዓታት ኣፍልጦን ሕጋዉነትን ዝገዝሙ ጥራይ ኪኾኑ ይኽሉ እዮም። እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣመሪካን መሰልታን ከምኡ’ዉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለዎም ጽምዶ ኪቕጽሉን ኣብ ዘርብሑ መዳያት ኪጽዕቱን ግቡእ እኳ እንተኾነ ፣ ንሕሱምነትን ክፋእን ምልካዉያን ስርዓታት ዘየሳስዩ ስልታዊ ጽምዶታት ኣብ ግምት ካብ ምእታዉ ግን ከርሕቚ የብሎምን ።

 

ኣብ ትሕቲ ጭቆና ዝርከቡ ኣህዛብ ነቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ክዉንነት ኣፍልጦ ክንህቦን ክንሕግዞምን ይግባእ። ምልካዉያን ስርዓታት ፖለቲካዊ ሓይሊ ምግባት ጥራይ ኣየዕግቦምን፣ ናይ በይኖም ሓቂ መስሪሖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩሉዓይነታዊ ዕብለላ ከረጋግጹ ምስሃቀኑ እዮም። ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ዝዝንቶ መንክራዊ ዛንታ ኣሎ። ንሱ ድማ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ንሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርያ እንዳተጠቕመ  ንኽብራን ቀጻልነታን ዝጻባእ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ጎልያድ ሓቀኛ ቃልሲ እተካይድ ዘላ ኣፍሪቃዊት ዳዊት እያ ዝብል እዩ። ኣብ’ቲ ዝንተዋ ፣ ህዝብን መንግስቲን ኤርትራ ኩሉሳዕ ሰሚሩ ማሕበራዊ ፍትሒ ፣ ሃገራዊ ነብሰ-ምርኮሳ ፣ ከምኡ’ዉን ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ሓድነት ከረጋግጽ ምኽኣሉ እዩ ዝደጋገም። እዚ በቲ መላኺ ስርዓት ዝተነድቀ በይናዊ ሓቂ ኮይኑ ግን ከኣ ኣብ ባይታ ዘይንረኽቦ እዪ ።  ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ጸበባ ከተዉጽኦ ኣይትኽልን ትኸዉን፡ ከምኡ’ዉን ነቶም ኣብ ተማሳሰልቲ ስርዓታት ዝርከቡ ኣህዛብ፣  ርጉጽን ቅኑዕን ሓበሬታ ከነካፍሎም እንተኺልና ግን እቶም ኣህዛብ ካብ’ቶም ኣእምሮምምን ኣተሓሳስባኦምን ኪቋጻጸርዎም ዝጽዕቱ ስርዓታት ሓራ ከነውጸእኦምን ከነሐይሎምን ዝሕግዝ እዩ።

 

ንምልካዉያን ስርዓታት ብድሎ ምብዳህ ኣገዳሲን ግቡን እዩ። እቶም ስርዓታት ጭቆናኦም ምኽንያታዊ ንምግባር ጸላኢ ክምስርሑ ኣለዎም። ብፍላይ ካብ ግዳም መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተጻብኦታት ከምዘሎ ከምስሉ ይጽዕሩን ብዛዕባ ፖሊሲታት ሃገራት ምዕራብ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብቐጻሊ የራብሑን። ነዚ ተሃዋሲ ብዘይኮነ ግን ከኣ ብዘይእቕረ ክንግድሎ ኣድላዪ እዩ። ዝሓለፈ ቀዉዒ ፣ መሓዉራት ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዊሕ እዋን ከይበዳህናዮ ነጻ ገዲፍናዮ ምጽናሕና ደምዲመ። እቲ ሕድገት  ድማ ነቲ ስርዓት ግህሰታቱ ኪቕጽልን ፕሮፖጋንዳኡ ብዘይዕንቅፋት ክነዝሕን ኣላሚድዎ ። ሻቡ ግን ንሓሶታት እቲ ስርዓት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣመሪካ ዝራባሕ ፕሮፖጋንዳ ክንክሸሖን ኽንምጒቶን፣  መጎተናን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታትን ድማ ኣብ ናይ ፈይስቡብ ሒሳብ  ኤምባሲ ኣመሪካ ከነካፍል ጀሚርና ። ንምልካዉያን ስርዓታት ኣገባብ ብዘለዎ መንገዲ ምብዳሆም ክፍራሕ የብሉን። ኣብ ኤርትራ እዚ ዓይነት ጽምዶ ሰሪሑ እዩ ።

 

ብምልካዉያን ስርዓታት ዝምርሓ ሃገራት ብተፈጥሮአን ኣበዓድቲ ብምዃነን ክንጸላን ኽሕየባን ይግባእ ምልካዉያን ስርዓታት ንዓለማዊ ኩነተ-ፖለቲካ መንሽሮ እዮም። በዚ ዓይነት ስርዓት እትምራሕ ዘላ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዞባዊት ሓደጋ ኮይና ትርከብ።  እቲ ስርዓት ኣብ 1995 ብጉዳይ እኩባት ደሴታት ሓኒሽ ምስ የመን  ተጋጭዩ፣ ኣብ’ቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝቐጸለ ካልኣይ ኲናት ሓድሕድ ኢዱ ሓዊሱ፣ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኣትዩ፣ ኣብ 2008 ብተመሳሳሊ ምስ ጂቡቲ ተጋጭዩ፣ ንሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝገብሮ ዝነበረ ደገፍ ኣብ 2009ን 2011ን እገዳታት ሕቡራት ሃገራት ተሰኪሙ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ካብ ምስታፍ ኣይቦኸረን ። ንኤርትራ ዘነጻጸርናዮም ፖሊሲታት እገዳን ተነጽሎን፡ ምልካዉያን ስርዓታት ቀይዲ ንምትሓዞም ዘኽእሉ ምዃኖም ዘእምኑና ኮይኖም፣ ብመንገዲ እቶም ፖሊስታት – ንግፍዕታት እቶም ስርዓታት ዋላ ደዉ እንተዘይኣበልናዮ ኽንሕይቦ ግን ዘኽእሉና እዮም።