ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት ነቲ ብሞንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኪቃናዕ ተሰሪዑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ምምራጹ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቲ፣ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳን ጀነራል ጻቃን ገብረትንሳኤን ምዃኖም እዉን ወግዓዊ ተጌሩ ኣሎ። ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፣ ወክለቱ ኣብ’ቲ ንኣመራርሓኡ ብዝምልከት ስክፍታታት ከምዘለዎ ክወቕሶ ዝጸንሐ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእዘን ዘተ ሰላም ኪሳተፉ ምዃኖን ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ሓይልታት ትግራይ ተዂሲ ብህጹጽ ደዉ ኢሉ ናብ ዘተ ኽምለሱ መሪጾም ምህላዎም ኣረዲኡ።
መራሕቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን በቲ ሕብረት ተመዚዙ ዝነጥፍ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኣበሳንጆን ምሉ እምነት ከምዘይብሎም ክኸሱ ምጽናሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝካየድ ዘተ ሰላም ብመንጎኝነት እቲ ስልጣን ዝፋኖ ዘሎ መራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምእዘን እዮም ክጠልቡ ጸኒሖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ተሰሪዑ ዘሎ ዘተ ሰላም እትሳተፍ ሽዉዓተ ዝኣባላታ ጉጅለ ኣቐዲሙ ከቚውም እንከሎ ፣ መራሕቲ ትግራይ ድሕሪ ሓድሽ ኲናት ምዉላዑን ወተሃደራዊ ጸቕጥታት ይዛይዶም ከምዘሎ ኽግለጽ ድሕሪ ምቕናዩን እዮም፡ ኣብ’ቲ ዘተ ከምዝሳተፉን ድሮ ወከልቶም ከምዝመዘዙን ዝሕብሩ ዘለዉ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ዘተ ፣ ቀጻልነት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ምክያድ ረፈረንዱም፣ ዋንነት መሬት ምዕራባዊ ትግራይ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉ ከምዘይኮኑ እዮ ክምጉት ጸኒሑ።
እዋናዊ መርገጺ መራሕቲ ትግራይ ፣ ብወገን ሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ’ዉን ህግደፍ ተቐባልነት ክህልዎ ድዩ ንዝብል ዛጊት ዝተነጸረ ነገር ከምዘየለ ዘመልክቱ ጸብጻባት፣ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራ ፡ ንጉዳይ ዋንነት ወልቃይት፡ ጸገዴን ሑመራን ብዝምለክት ብሓይልታት ትግራይ ዝለዓል ቅድመ ኩነት ከይተወንዘፈ ዝቕጽል ዘተ ኪቕበልዎ ከምዘይኮኑ እዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።
ኣብ ነሓሰ 24 ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምዉላዑ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ዉን ሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተላፉኖም ወፊሮም ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ፣ ሃንደበታዊ ምንጻር መርገጺ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ብብዙሓት ወገናት ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃቦ ኣሎ ። ገለ ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሜዳ ገዚፍ ክሳራታት ይበጽሖም ስለዘሎ’ዩ ክብሉ እንከለዉ ፣ ገለ ድማ መራሕቲ ትግራይ ካብ ኣብ ኲናት ከዉሕስዎ ዝኽእሉ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ቀጻልነት እታ ክልል ፡ እቲ ብሰላማዊ ዝርርብ ክርከብ ዝኽል ረብሓ ከምዝዓቢ ስለዝተገንዘቡ እዮም ይብሉ ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብመራሕቲ ትግራይ ተነጺሩ ዘሎ መርገጺ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የለን።