ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእትካየድ  ማእከል ሞያዊ ስልጠና ዶምቦስኮ ከምዝሃገረ ይሕበር ኣሎ። እታ ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ማእከል ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ካብ ትካል ልምዓትን ምትሕግጋዝን ስዊዘርላንድ ብዝተቐረበላ ገንዘባዊ ሓገዝ ንጥፈታታ ኽትቅጽል ዝጸንሐት  ኮይና፣ ኣብ’ዚ ቅንያት ኣካየድቲ እታ ማእከል ስራሖምን ኣገልግሎቶምን ደዉ ከብሉ ብጉጅለ ህግደፍ ከምእተሓበሮም እዩ ኣገልግሎት ዜና ስዊዘርላንድ SRF ጸብጺቡ ዘሎ።

ኣብ 1998 ዝተመስረተት ሞያዊት ቤት ትምህርቲ ዶምቦስኮ ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ እብረ ብውሑዱ 400 ተመሃሮ ብኣዉቶ-መካኒክስ፡ ስርሓት ሓጺንን ዕንጸይቲን፡ ኤለክትሪክ፡ ህንጻ፡ ቅየሳን ካልእን ብናይ ሰርቲፊኬት መዓርግ ከተመርቕ ዝጸንሐት ትካል እያ።

ህግደፍ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ነሓሰ እዉን ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንእትውነንን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደርን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ምህጋሩ ኣይርሳዕን።

ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ብዓውዲታት ኣግሮ-መካኒክ፡ ስነ-እንስሳ፡ ስነ-ኣትክልቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ልምዓት መስኖ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ልዑል ደረጃ ዘለዎ ትምህርቲ ክትህብን፣  ኣብ ምዕሻግ ፍርያት ጸባን ፍረታትን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ኽትገብርን ዝጸንሐት ምዃና ይንገር።

ብሃይማኖታዉያን ይኹን ብሕታዉያን ኣካላት ዝሙነና ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ኣብ ቀጻሊ ዒላማ ጉጅለ ህግደፍ እንዳኣተዋ ክህገራ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ጉጅለ – ኣብ ኢደይ ኣይኣተዋን ንዝብለን ተመሳሰልቲ ትካላት ንምዉናን ደቂቕ መደብ ሰሪዑ ክሰርሕ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዓጽወት ናይ 118 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ጥልያን፡ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ዓመት ዋንነታ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብወግዒ ኽትሰጋገር ከምእተግብረ ኣይርሳዕን።

እታ ኣብ ክልተ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ ናይ ቅድመ-መባእታ፡ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ትህብ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ፡ ንዓመታት ብህግደፍ ጸቕጥታት ክወርዳ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ምዕጻዉ ስጒምት ግን ፡ ድሕሪ እቲ ኤዉሮጳዊ ሕብረት ብጉዳይ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘትረሮ ኣተሓሕዛታት ዝተጋደደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ነይሩ።

ህግደፍ ንቤት ትምህርቲ ጥልያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ነሓሰ ናይ 2021 እዉን ነታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተሪፋ ዝነበረት እንኮ ብሕታዊት ቤት-ትምህርቲ ማለት Asmara International School ከምዝሃገራ ኣይርሳዕን።