ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያን በቲ ኲናት ንዝሰዓበ ግህሰት ሰብኣዊ መስላትን ዝለዓለ ኢድ ኣለዎም ንዝበሃሉ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኽእገዱ ዘኽእል ሓድሽ ፕረዚደንታዊ መመርሒ ድሕሪ ምሕላፉ ዝጸንዑ እገዳታት ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሉ ወሲኑ።
እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ እቲ ኲናት ጠንቂ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ምዃን ስለዘየዕረፈ ፡ እቶም ናይ መገሻን ንግዲን እገዳታት ከምዘለዉዎ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክጸንዑ ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተዋህበ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ስዒቡ ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ዉልቀሰባትን ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓያለ እገዳታት ከተጽንዕ ምጽናሓ ይፍለጥ ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኣብ ልዕሊ 4 ትካላትን ህግደፍ ማለት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ማዕከን ሕድሪ (Hidri Trust)ን ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወትን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃለይ ካሳን ተሪር ቊጠባዊ መቕጻዕቲ ምጽዓና ይዝከር።
ሒደት መዓልታት ድሕሪ ምዉጻእ እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ ኣብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብንኡስ ክፍሊ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጉዳያት ዝእለ ንወተሃደራዊ ንግዲ ኣጽዋር ዝከታተል ኣካል ፡ ኹለን ኢንዱስትሪታት ኣጽዋር ኣመሪካ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሽጥኦ ኣጽዋር ኸይህሉ ዝእዝዝ ሓድሽ መምርሒ ምትሕልላፉ እዉን ኣይርሳዕን።
እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ቅድሚ ምውጻኡ እዉን ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ’ቲ ዓመት ፡ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ንጠቕላሊ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ምስ’ቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ተሪር ቊጠባዊ እገዳ ከምዘንበረሉ ይፍለጥ። ኣብ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ንጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ጸሊም መዝገብ ብምስፋር፡ እቲ ጀነራል ኣብ ኣመሪካ ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ፡ ዝዉንኖን ዝቆጻጸሮን ፡ ገንዘባዊ ይዂን ዝንቀሳቀስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ኣብ ቀይዲ ኽጸንሕ እዩ ወሲኑ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ቲ ዓመት እዉን ፣ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኲናት ትግራይ ዘጓሃሃሩን በቲ ኲናት ንዝሰዓበ ኩሉዓይነታዊ ሃስያ ኸይግታእ ዝሰርሑን ዘለዉ ናይ ቅድምን ሕጅን ሲቪላዉያንን ወተሃደራዉያንን ሰብ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣባላት ህወሓት፡ ላዕለዎት ኣባላት ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካልኦት ውልቀሰባትን ናይ መገሻ እገዳ ኣሕሊፉ እዩ።