ገዲም ስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማ ንሽልማት ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ፔን ኤርትራ 2022 በቒዑ። ፔን ኤርትራ ንናይ 45 ዓመታት ጥበባዊ ወፍሪ ዘያምን ገጣሚን ኣብራር ብምግምጋም እዩ ካብ 7 ሕጹያት ነቲ ሽልማት ኣብቂዕዎ።

“ኣብራር ዑስማን ካብ መፋርቅ 1970ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር ንሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ምጉስጓስ ዘይሰልከየ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ንደሞክራሲን ሓርነት ሃገር ዓቕሙን ብልሁን ከይበቐቐ ገና ዝቃለስ ዘሎ ስነጥበበኛ’ዩ” ኢላ ዝኣመነት መማዪት ሽምግለ ፡ ነዚ ካብ 2019 ፈሊሙ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ዘበራትዑ ጥበባት መሪሕ ተራነት ንዘርእዩ ሃገራዉያን ዓመታዊ ዝወሃብ ኣፍልጦ ብቚዕ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ ሓቢራ ኣላ።

ኣባላት ናይ’ዚ ዓመት መማዪት ሽማግለ ፡ ዋና ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ነበር ዶክተር ኣብራሃም ተስፋልኡል፣ ደራሲን ጋዜጠኛን ኣኸድር ኣሕመዲን ከምኡ’ዉን ገጣማይ ዩኤል ተወልደ ኮይኖም ፣ ኣብራር ዑስማን ንሓርነት ህዝብን ንጽባቐ ስነጥበብን ኤርትራ ከይተወላወለ ዝቃለስ ዘሎ ብምዃኑ እቲ ኣፍልጦ ከምዝግብኦ እዮም ዝሕብሩ።

ኣብራር ነቲ ሽልማት ኣብ’ቲ ፔን ኤርትራ ካብ 1 ክሳብ 2 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ሽወደን መዲብዎ ዘሎ ጽንብል ክቕበሎ ምዃኑ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ፔን-ኤርትራ ከም ንኡስ-ኣካል ፔን ኢንተርናሽናል  ኣብ መፋርቕ 2015 ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ቈይሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተጨፍሊቑ ዘሎ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ንምብርባር በቲ ሓደ፡ ብጉጅለ ህግደፍ  ንዓመታት ተሞቚሖም ዝሳቐዩ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ጉዳይ ኣተኩሮን ፍታሕን  ንኽርከቦ ድማ በቲ ካልእ ዝጽዕት ዘሎ እዩ።

ፔን ኢንተርናሽናል፣ ነጻነታት ሓስብካ ምግላጽ ኣብ ምርግጋጽ ክቃለስ ኣብ 1921 ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ-እንግሊዝ ዝተመስረተ ኮይኑ ፥  ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝነጥፋ 142 ጨናፍርንን ልዕሊ 20 ሽሕ ኣባላትን ዝጥርንፍ ዓቢይ ማሕበር እዩ።