ሓያልታት ትግራይ ብሸነኽ ኤርትራ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍተሎም ይገልጹ ኣለዉ። ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ሎሚ 20 መስከረም ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፣ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ኣሃዱታት ኮማንዶ ምስ ዝጠርነፈ ፍሉይ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ተላፊኑ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ እዩ ተዛሪቡ።
ኣቶ ጌታቸዉ፣ ኣብ ማይ ኩሕሊ፣ ዝባን ገደና ፣ ዓደዉዓላ፣ ራማ፣ ጾሮናን ዛላምበሳን ኣዝዩም ጽዑቓት ዉግኣት ይካየዱ ከምዘለዉ እዩ ሓቢሩ።
ነቲ ብሸነኽ ኤርትራ ተኸፊቱ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘየለ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ብሳልሳይ ኣካል እዉን ከምዘይተረጋገጸ የረድኡ።
ብ24 ነሓሰ ሓድሽ ኲናት ተወሊዑ ካብ ዝበሃል ፣ ንምዕባለታቱ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ህግደፍ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይተኻፈለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብቲ ሓይልታት ትግራይ ጥራይ ዘውጽዎ መግለጺታት ተበጊስካ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጹር ስእሊ ንምሓዝ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
እቲ ድሕሪ ናይ ከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝግታ ዳግማይ ተወሊዑ ዝበሃል ኲናት፡ ነቲ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክኽርትት ዝጸንሐ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣይእትዩ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዕለታዊ ይዓርግን ደብዳብ ነፈርቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲኽዎ ዝበኣሰ መልክዕ ይሕዝን ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ብፍላይ በቶም ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ስትራተጂካዊ ከባቢታት ክልል ትግራይን ዝካየዱ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰብን ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን ከቢድ ዕንወት ይወርድ ምህላዉ የረድኡ።