ገበናት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኸጻሪ ዝቘመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ፈላሚ ጸብጻብ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ምዝዛም 2020 ዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኹሎም ተራጸምቲ ወገናት ከበድቲ ግህሰታት ከምዝፈጸሙ ጠቒሱ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ተሓታቲ ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተመዝገበን ዝምዝገብ ዘሎን ግፍዕታት ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ኣካየድቲ ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን ብ ሰኑይ 19 መስከረም ኣብ ዘውጽዎ ጸብጻብ፣ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግህሰታት ናብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝቃረቡ ምዃኖም ጠቒሶም፣ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምዉላዑ ነቲ ሰብኣዊ ኩነታት የብእሶ ምህላዉ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታትን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይወሓስን ዓንቂጾም፡ ንሰብኣዊ ኩነታት ናይ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ክልል የጋድዱ ከምዘለዉ ዝወቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ሓይልታት ትግራይ እዉን ትካላት ረድኤት ብዘይጸገም ክነጥፋ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ኪቚጠቡ እዩ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
እቲ ኮሚሽን ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ በጺሖም ንዝበሃሉ ግፍዕታትን ቅትለትን ኣብ’ቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘርዚርዎም ኣሎ።
ሓላፊት እቲ ኮሚሽን ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙሩንጊ ምስ ተሓጋገዝታ ስሪላንካዊት ራዲካ ኮማራስዋሚን ኣመሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ካብ 25 ክሳብ 31 ሕምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጽናሕ ንኣተገባባራ ስራሕ እታ ኮሚሽን ብዝምልከት ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ኣይርሳዕን።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ካብ 3 ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝርከብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዜጋታትን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ ዝበሃል ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ብ17 ታሕሳስ ናይ ዝሓልፈ ዓመት ዝቘመ ኮይኑ፣ ብ2 መጋቢት ናይዚ ዓመት ዘካይድዎ ሰለስተ ኣባላት ከምእተመዘዝሉ ይፍለጥ።
ሓላፊት እቲ ኮሚሽን ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ 2022 ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 50 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ተረኺባ ኣፈናዊ ጸብጻብ ምቕራባ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ሰባት ዝቕጽል ዘሎ ቅትለትን ግህሰትን ዘለዋ ልዑል ሻቕሎት ኣካፊላ ነይራ።
ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፡ ተነቢሩ ንዝጸንሐ ተስፋ ሰላም ቀቲሉ ኪንዮ እታ ሃገር ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበእኣሰ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ዘኸትል ከምዝኸዉን ስግኣቱ ኽገልጽ ዝወርሐ እቲ ኮሚሽን ፣ ማሕበረሰብ ዓለመ ብሓፈሻ ባይቶ ጸጥታ ድማ ብፍላይ ነቲ ኲናት ደዉ ኣብ ምባል ተሪር ስጒምቲ ክወስዱ ጸዊዑ እዩ።