መንግስቲ ኖርወይ ነቶም ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሃገርና ኣሳዲዱና ኢሎም ዑቕባ ዝሓተቱ እሞ ፡ ድሒሮም ዕሉላት ደገፍቲን ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓዉራትን እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ምክትታልን ምቕጻዕን ከምዘየዕረፈ ተሓቢሩ።
እዚ ዝተሓበረ ፣ ቤት ፍርዲ ኦስሎ ንጉዳይ ናይ ሓንቲ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ምጒስጋስ መምርሒታት ጉጅለ ህግደፍ ዓቲባ እትሰርሕ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ተንቀሳቓሲት ቀጻሊ ምክትታል ኪገብረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ግዝያዊ መቕጻዕቲ ከምዝወሰነላ ምስተፈልጠ እዩ።
እታ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ ዕለታዊ ኣብ መሳኲቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንዳወጽአት ፣ ኪንዮ ናይ ጽልእን ዓሌታዊን ዘረባታት ምንዛሕ፡ ንህልቂት ሰላማዉያን ሰባት ኣብ ምጉስጓስ ወፊራ ብምጽንሓ’ዩ እቲ ኖርወጃዊ ቤትፍርዲ ንዝኣከቦ መርትዖታት መርኲስ ገይሩ ነቲ ግዝያዊ መቕጻዕቲ ኣሕሊፉ።
መንግስቲ ኖርወይ ፡ ካብ ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኣምሊጥና ዝብል ቃል ኣሰኒዶም ዑቕባ ዝሓትዎ’ሞ ጸኒሖም ነቲ ጉጅለ ኸገልግሉ ኣብ ልዕሊ ዝረኽቦም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ተረርቲ ስጒምትታት ብምዉሳድ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2019፡ ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤል ምምስራት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ከተማ ኦስሎ እንዳተፈንጠዙ ናይ ዝተሳእሉ ኤርትራዉያን ጉዳይ ፡ ብፖሊስን ኢሚግሬሽንን ኖርወይ ክምርመር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት -ካብቶም ኣብቲ ጽንብል ዝተረኽቡ ሰባት ኣርባዕተ ካብታ ሃገር ክጥረዙ፣ 13 ካልኦት ድማ ዜግነቶም ወይ ፍቓድ ነባርነቶም ተሓዲጎም ዝኾነ ማሕበራዊ ድጋፍ ኪሕረሞም ተወሲኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ናይ 36 ካልኦት ጉዳይ እዉን ኣብ ቀጻሊ ምርመራ ከምዘሎ ይሕበር።
ብመሰረት ናይ’ቲ እዋን’ቲ ሓበሬታ ፖሊስ ኦስሎ፡ ክልተ ካብቶም መጥረዝቲ ዝተወሰንሎም ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ኤርትራ ዘምርሑ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ኣቐዲሞም ናብ ዝነብሩለን ዝነበሩ ሃገራት ኤዉሮጳ ክሳጎጉ ምዃኖም እዩ ተነጊሩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጨቊኑናን ኣባርዩናን እንዳበሉ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዑቕባ ተዋሂብዎም፡ ሻቡ ነቲ ዝሃደምሉ ስርዓት ዝድግፉን ኣብ ኤርትራ ምልኪ ንኽቕጽል ዝሰርሑን ዘለዉ ወገናት ፡ ናብ ቀልቦም ተመሊሶም ንሓቀኛ ፍትሒ ኪሰርሑን ኣደብ ኪሕዙን፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ከይተሰከፈ ክሰርሕ ግዜኡ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።