ኣብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ዕላማታት ዝካየዱ ደብዳባት ነፈርቲ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ተገሊጹ። ብመሰረት እቶም ካብ መራሕቲ ትግራይ ጥራይ ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት፣ ደብዳባት ነፈርቲ ሓይልታት ኣየር ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ቀሊል ዘይኮነ መጠን ሞትን መቚሰልቲን የስዕቡ ከምዘለዉ እዩ።
ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ እታ ክልል ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ፣ ናይ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ እየን ዝበለን ነፈርቲ ኲናት ብ 28 መስከረም ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዘካየድኦ ደብዳብ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ዓሰረተታት ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ክሕብር እንከሎ፣ ብወገን ኤርትራ ነቲ መግለጺ ስዒቡ ዝተዋህበ ምጉት ዛጊት የለን። እቲ ናይ ዓዲ-ዳዕሮ ደብዳብ ብነፈርቲ ኲናት ኤርትራ ከምዝተፈጸመ እዉን ብነጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ገለ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሻቡ ዘካፈልዎም መግለጺታት፣ እቲ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ተኻይዱ ዝተባህለ ደብዳብ ፣ ህወሓት ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ናይ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ንምስሓብ ብናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱታቱ ባዕሉ ዘካየዶ ደብዳብ ምንባሩ ዝኸሱ እዮም።
ሓይሊ ኣየር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝዓሞ ዘሎ ደብዳባት ኣመልኪቱ ዘቕርቦ ምጒት እዉን፣ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስንቅን ኣብ መንበሪ ኣባይቲን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺን ይሓብኡ ብምህላዎም ፡ ሰላማዉያን ሰባት ግዳያት ናይ’ቶም ዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ንምዉቃዕ ዝቕጽሉ ዘለዉ ደብዳባት ነፈርቲ ይኾኑ ከምዘለዉ እዩ።
ኲናት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ነሓሰ ዳግማይ ካብ ዝዉላዕ ፣ ኣብ መቐለን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲ ኲናት ይምዝገብ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። ኣብ’ዚ ኲናት ዝራጸሙ ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት ንደብዳብ ነፈርቲ ኣመልኪቶም ዘቕርብዎ ምጒትን ምክሳስን ንህይወት ሰላማዉያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ካብ መዉዳቕ ዘናግፍ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኩሎም ወገናት ጎደና ሰላም ኪመርጹ ክሳዕ ዘይተብዑ ፣ በዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዝስዕብ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ክብእስ ምዃኑ እዮም ዘተሓሳስቡ።