ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ኣብ መላእ ሃገር ዝሓየለን ዝተወሃሃደን ግፋታት ሰሪዑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም። ንግዱድ ጻዉዒት ክተት እቲ ጉጅለ ዘይሰምዑ ዜጋታት ብቐጸልቲ ግፋታት እንዳተለቕሙ ናብ ዉትህድርና ኪግዕዙ ምጽናሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጂ ድማ – ዝተረፈ ኩሉ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ዜጋ ክሳብ መወዳእታ ናይ’ዚ ወርሒ ብወለንታኡ እንተዘይተረኺቡ ፡ ዝተረረ መቕጻዕቲ ኪበጽሖ ምዃኑ ዘፈራርህ ሓድሽ መምርሒ እዩ ዝዘዉር ዘሎ።
ድሕሪ 30 መስከረም ጽዑቕን ዝተወሃሃደን ግፋን ተፍትሽን ኣብ መላእ ሃገር ከምዝህሉ ዘፈራርህ እቲ መምርሒ፣ ሰብኡተንን ደቀንን ዘየኽተታ ስድራቤታት ክሳብ ንብረተንን ገዝአንን ኪኸስራ ምዃነን እዩ ዘጠንቅቕ ። ጉጅለ ህግደፍ ዝኾዶ ዘሎ ኣካይዳ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ ኣብ ጸቕጢ ኣትዩ ከምዘሎ ዘመላኽት ከምዝኾነ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ብምህላዉ ንተወሳኺ ጸቕጢ ህግደፍ ዝጽመም ከምዘይመስል እዮም ዝሕብሩ።
በቲ ተሰሪዑ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽን ዝተወሃሃደን ግፋ ዝሰግአ ህዝቢ፣ መቐነዪኡ ዝኾኖ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ምኽዛንን ምሽማትን ከምዝርከብ እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ሕድሕድ ኢትዩጵያ ንሳልሳይ ግዜ ከድሚ ዓጢቑ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ንዘለዉ ኹሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቀጻሊ ታዕሊም ኪህብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ትንፋስ ብዝይህቡ ግፋታት ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ዓዱ ኪፈናቀል ብምግባር ንዝገፈፎም ኣብ ዝተፈላለያ መደበራት ታዕሊም ህዉኽ ስልጠና እንዳሃበ ናብ ግንባራት ምግዓዝ ኣየቋረጸን ዘሎ።
ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኹሉ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ዳግማይ ብረት ኽዓጥቕ ይግበር ምህላዉ ተሓቢሩ እዩ።
ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዘይወግዒ ተደፊኦም ዝኣትዉ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ኪሕልዉ ዝኣተዉዎ ማሕላ ብጉጅለ ህግደፍ ተመንዚዖም፡ ኣብ መሬት ጓኖት ኪሃልቊ ዝድለየሉ ዘሎ እንኮ ምኽንያት፡ ሃገር ሓለውቲን ኣውሓስቲን ስኢና መፍቶ መጻእቲ ድሌታት ጉጅለ ህግደፍ ንምግባራ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ኣቕዲሞም ምሕባሮም ይፍለጥ።