እቲ ብዉሑዱ ህይወት ሹድሽተ ሰባት ዝወሰደን ንዓሰርተታት ካልኦት ዘቚሰለን ናይ 27 መስከረም ደብዳብ ዓዲ-ዳዕሮ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። እዚ ዝተነግረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ’ታ ዓዲ ንዝተኸዘነ ኣጽዋርን ወተሃደራዊን ስንቅን ሓይልታት ትግራይ ንምርካብ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣብ’ቲ ንእዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዘመልከቱ ሓቅታት ዘካፍለሉ Ethiopia Current Issues Fact Check ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታኡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ።
ሓለፍቲ ህወሓትን መሓዉራት ዜናኦምን፡ እቲ ደብዳብ ብነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝተኻየደ ምንባሩ እዮም ኪኸሱ ቀንዮም። ኣባል ማእከላይ እዚ ሰራዊት ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ብዛዕባ’ቲ ናይ 27 መስከረም ደብዳብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ደብዳብ ብነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ከምዝተፈጸ እዩ ዘይግምታዊ ሓበሬታ ኣቐሚጡ።
ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስንቂን ኣብ ማእከል መንበሪ ከባቢታት ሰላማዊ ህዝቢን ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን ይሓብኡ ምህላዎም ዝኸስስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቶም ዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ንምዉቃዕ ዝወስዶም ደብዳባት ነፈርቲ ሰላማዊ ህዝቢ ይልከም ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።
ድሕሪ ናይ ከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝግታ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክኽርትት ዝጸንሐ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣይእትዩ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዕለታዊ ይዓርግን ደብዳብ ነፈርቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲኽዎ ዝበኣሰ መልክዕ ይሕዝን ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ብፍላይ በቶም ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ስትራተጂካዊ ከባቢታት ክልል ትግራይን ዝካየዱ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን ከቢድ ዕንወት ይወርድ ምህላዉ የረድኡ።