ታሽዓይ ዓመት ናይቶም ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግማዊ ማያት ደሴት ላምፔዱዛ ናይ ጥልያን ህይወቶም ዝሰኣኑ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ስደት ብዝነብሩ ዜጋታትና ከምኡ’ውን ተሓለቕቲ መሰላት ኣህዛብ ብዝኾና ትካላት ይዝከር ኣሎ።

ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሽምዓ ብምዉላዕ ፣ ኣብ ዓዲ-ጥልያን ዝርከቡ ወገናትና ድማ ናብ ማያት ደሴት ላምፔዱሳ ብምብጻሕ ንግዳያት ይዝክሩ ኣለዉ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ  ዜጋታትና ንወኪላት ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ጸሊም ነጥቢ ዘቐመጠት ዕለት ምዃና ጠቒሶም፥ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽ ንምኽታም ኣሐዪሉ ኽቃለስ ካብ ዝቕስባኦ ዕለታት ዝኽሪ ሓንቲ ኮይና ምህላዋ ኣስሚሮም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ሓበሬታኦም፡ ህልቂት ላምፔዱሳ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺቡ፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ዉድባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፥ ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ዉድብ ኢ.ጋ.ድ ከምኡ’ውን ኩለን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንዳዘከርዎ ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንስድራ እቶም ዝጠፍኡ መንእሰያት ሬሳ ደቆም ተቐቢሎም ሓመድ ዓዶም ከይልበሱ ክሳዕ ሕጂ ክኸልኦም ምውሳኑ፣ መርኣያ ኢሰብኣዊ ባህሪኡ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 2015`ውን ፡ ልዕሊ ፍርቆም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ከባቢታት ደሴት ላምፔዱዛ ጥሒሎም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ።

ህልቂታት ላምፔዱዛ ይዂን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ሞት ኤርትራዉያን ፡ ብባሕታዉያን መራኸቢ ብዙሃን ጉጅለ ህግደፍ ክሳዕ እዚ ሰዓት ዝኾነ ሸፈነ ከምዘይዋሃቦም ፣ ብኣንጻሩ ነቶም ዓለም ምሉእ ዝሓዘነሎም ኤርትራዉያን ግዳያት ላምፐዱዛ  “ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሃቀኑ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን” ኢለን ከምዝጓነያ ይዝከር።