ፔን ኤርትራ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብ1ን  2ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣቃኒዑ ። ብኣካልን ብማንዛን ዝተሳተፉ ኣባላት እቲ ንምርግጋጽ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ተኺሉ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ’ቲ ናይ ክልተ መዓልታት ርክቦም ፡  ኣብ’ዚ ዓመት ዛጊት ኣብ ዝተዓሙ ስራሓት ብምምይያጥ ፡ ናይ መጻኢ መደባት ሰሪዖምን ፡ ፈጻሚ ስራሕን ተሓዚ ገንዘብን መሪጾምን ።

ፔን ኤርትራ ኣብ ካልኣይን መዛዚምን መዓልቲ ጉባኤኡ፣ መስርሕ መረጻ ኣካየድቲ ስራሕን ስነስረዓት ምዕዳል ሽልማት ናጸንት ሓሳብካ ምግላጽን ብምስራዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኪዓጹ እንከሎ፣ በቲ ማሕበር ነቲ ዓመታዊ ሽልማት ብቚዕ ኮይኑ ዝተረኽበ ገዲም ስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማን ብኣካል ተረኺቡ ፡ ኣርማ ፔን ኤርትራን ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካን ተቐቢሉ።

ብዘይካ’ዚ ስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማን ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ፡  ኣብ ጉዕዞ ስነጥበብን ሓርነታዊ ቃልሲን ዘዋህለሎ ተመክሮ ብምክፋል  ፣ ኣድላይነት  ናይ’ተን ንኩሉዓይነታዊ መሰልን  ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ በብሸነኸን ዝጽዕታ ከም ፔን ኤርትራ ዝበላ ማሕበራት  ክሳዕ ክንደይ ልዑል ምዃኑ መኺሩ።

ፔን ኤርትራ ንናይ 45 ዓመታት ጥበባዊ ወፍሪ ኣብራር ዑስማን ብምግምጋም እዩ ካብ 7 ሕጹያት ነቲ ሽልማት ኣብቂዕዎ።

“ኣብራር ዑስማን ካብ መፋርቅ 1970ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር ንሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ምጉስጓስ ዘይሰልከየ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ንደሞክራሲን ሓርነት ሃገር ዓቕሙን ብልሁን ከይበቐቐ ገና ዝቃለስ ዘሎ ስነጥበበኛ’ዩ” ኢላ ዝኣመነት መማዪት ሽምግለ ፔን ኤርትራ ፡ ነዚ ካብ 2019 ፈሊሙ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ዘበራትዑ ጥበባት መሪሕ ተራነት ንዘርእዩ ሃገራዉያን ዓመታዊ ዝወሃብ ኣፍልጦ ብቚዕ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ሓቢራ እያ ።

ኣባላት ናይ’ዚ ዓመት መማዪት ሽማግለ ፡ ዋና ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ነበር ዶክተር ኣብራሃም ተስፋልኡል፣ ደራሲን ጋዜጠኛን ኣኸድር ኣሕመዲን ከምኡ’ዉን ገጣማይ ዩኤል ተወልደ ፣ ኣብራር ዑስማን ንሓርነት ህዝብን ንጽባቐ ስነጥበብን ኤርትራ ከይተወላወለ ዝቃለስ ዘሎ ብምዃኑ እቲ ኣፍልጦ ከምዝግብኦ ምሕባሮም ኣይርሳዕን።

ፔን-ኤርትራ ከም ንኡስ-ኣካል ፔን ኢንተርናሽናል  ኣብ 2014 ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ቈይሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተጨፍሊቑ ዘሎ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰል ንምብርባር በቲ ሓደ፡ ብጉጅለ ህግደፍ  ንዓመታት ተሞቚሖም ዝሳቐዩ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ጉዳይ ኣተኩሮን ፍታሕን  ንኽርከቦ ድማ በቲ ካልእ ዝጽዕት ዘሎ እዩ።

ፔን ኢንተርናሽናል፣ ነጻነታት ሓስብካ ምግላጽ ኣብ ምርግጋጽ ክቃለስ ኣብ 1921 ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ-እንግሊዝ ዝተመስረተ ኮይኑ ፥  ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝነጥፋ 142 ጨናፍርንን ልዕሊ 20 ሽሕ ኣባላትን ዝጥርንፍ ዓቢይ ማሕበር እዩ።