ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ  ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክዛተዩ ንዝቀረበ ጻዉዒት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምቕባሉ ሓቢሩ ።

ነዚ ስዒቡ መግለጺ ዝሃበ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ መንግስቲ ነቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝቀረበ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዝተቀበሎ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቀድም ኣቢሉ ብዘይ ዝኮነ ቅድመ ኩነትን ብሞንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ጥራሕ ዘተ ኽካየድ ክጠልብ ምጽንሑ ጠቂሱ ፡ እዚ ብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ቀሪቡ ዘሎ ዕድመ ፡ ቅዋማዊ ጠለባት እታ ሃገር ዘማለአ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ ።

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኩ፡ ሓይልታት ትግራይ ኩሉ ኣማራጺታት ሰላም ዓጺዮም ብ24 ነሓሰ ናይ 2022 ዳግማይ ግጭት ምኽፋቶም ብምኽሳስ ፡ መንግስቲ ግን ንሰላም ዝተዘርግሐ ኢዱ ከምዘይዓጽፍን እቲ ግጭት ሰለማዊ ማዕልቦ ክረክብ ዘለዎ ድሌት ደጋጊሙ ከምዘነጸረን ጠቒሱ፡ ፈደራል መንግስቲ ግጭት ከዕርፍን ሃለዋት ናይ  ሚልዮናት ኣህዛብ እታ ሃገር ከውሕስ ሓላፍነት ከምዘለዎን ገሊጹ ኣሎ ።

ብተወሳኪ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብ ኣቦወንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ዝተላእክሉ ናይ ዕድመ ወረቀት ከምዝተቐበሎ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ገሊጹ’ሎ ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ናይ ዕድመ ወረቀት ከምዝተላእከ ዝሓበረ ሮይተርስ ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተወሳኪ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኣባል ሰንትራል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቴሌፎን ምድዋሉ፡ እንተኮነ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዛጊት ዝፈልጦ መርገጺ ከምዘየለ ከምዝሓበሮ ገሊጹ ኣሎ ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቃናዕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ፡ ብ ኦሊሶንጎን ኣባሳንጆን ዝምራሕ ኮይኑ ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ውን ከም ኣማኻሪ ክሳተፎ ምዃኑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ቲ ሓድሽ ዕድመ ዘሎ መርገጺ ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።