መራሕቲ ክልል ትግራይ ነቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክዘራረቡ ዘቅረቦ ዕድመ ተቐቢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐድሚ እቲ ዘተ ንቅዋማዊ ጠለባት ኢትዮጵያ ዘማለአ ብምዃኑ ከምዝተቀበሎ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዕድመ ኣመልኪቱ ድሒሩ ኣብ ዝሰደዶ መልሲ፡ ክልል ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተ ተወካሊ ንምስዳድ ድልዉቲ ምህላዋ እዩ ኣነጺሩ።
ፕረዚደንት ደብረጽዮን፡ ነቲ ብኣቦወንበር ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ዝቀረበ ዕድመ ከመስግን እንከሎ ፡ ድልዉነት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዘተ ሰላም ከምዘይተቐየረ እዩ ገሊጹ ። ኣጀንዳ ናይቲ ዘተ ግጭት ደው ምባል ምኳኑ ምፍላጥ እንተተካኢሉ ጠቃሚ ከምዝኸዉን ጠቒሱ፣ ክበርሁ ዝድለዩ ነጥብታት ከምዘለዉ ግን ኣይሓብአን።
መራሕቲ ትግራይ ፡ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘተ ፡ ከም ተዓዘብቲ ፡ ተሳተፍቲ ከምኡ’ዉን ከም ኣዉሓስቲ ክዕደሙ ብዛዕባ ዝግብኦም ኣካላትን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክህልዎ ብዛዕባ ዝክእል ተራን ክበርሃሎም እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።
ድሕሪ ናይ ሰሙናት ደማዊ ግጭት ፡ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሰናይ ምንዮቱ ኣብ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ ፡ ብመንገዲ ጌታቸው ረዳን ጻድቃን ገብረትንሳኤን ዝምራሕ ልኡክ ዘተ ሰላም ኣብ’ቲ ብሞንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘተ ብዘይቅድመ ኩነት ክሳተፍ ድሉው ምህላዉ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ፡ ዘተ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ጥራሕ ከምዝካየድን ብዘይቅድመ ኩነት ኣብ ጣውላ ክቅመጡን ተደጋጋሚ ጠለብ ከቅርብ ምጽንሑ ይፍለጥ ።
ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቃናዕ ዕለት ተታሒዝሉ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበርን ኦሊሶንጎን ኣበሳንጆን ከም ኣዛታዪ ፡ ፕረስደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ከኣ ከም ኣማካሪ ኮይኖም ዝመርሕዎ ኮይኑ ፡ወከልቲ ኣሜሪካን ኤውሮፓዊ ሕብረትን ውን ከምተዓዘብቲ ክሳተፉዎ ምዃኖም እዩ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተዋህበ ሓበሬታ ዘረድእ ።