ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ናይ 2020 ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ “ወሊድ” ብዝብል ቅጽል ስም ዝጽዋዕ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም፣ ብጭውያ ከምኡ’ውን ጉልበታዉን ጾታዉን ምዝመዛ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ ንናይ 18 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ኮይኑ፣ ሕጂ ድማ በደላቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንኽርአ ናብ ኔዘርላንድ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ተወልደ ጎይትኦም ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ምስ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ከምኡ ገበነኛ ንዝሰፍሐ መርበብ ጭዉያን ምስግጋርን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይመርሕ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ ምእሳር ተወልደ ጎይትኦም ነዊሕ ከይጸንሐ ብኣባላት ጸጥታ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዘ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም፡ ምስ ተወልደ ፍርዳዊ መሰርሕ እንዳተኻየደሉ እንከሎ ፣ ብ19 ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣዲስ-ኣበባ ሞሊቚ ከምዘምለጠ ኣይርሳዕን ።
ተወልደ ጎይትኦምን ኪዳነ ሃብተማርያምን ኣብ ከተማ ባኒ-ዋልድ ናይ ሊብያ ስደተኛታት ከም ጅሆ ኣንዳሓዙ ዘሳቕይሉን ንመልቀቂ ስደተኛታት ልዑል መጠን ገንዘብ ዝሓትሉን መዓስከር ኣቚሞም ምንባሮም ኣዩ ዝሕበር። ከተማ ኣቢ-ዋሊድ ብሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት “ከተማ-መናፍስቲ” እንዳተባህለት ትጥቀስ ምንባራ እዉን ይንገር።
እዚ ሕጂ ንናይ 18 ዓመታት ጽኑዕ ማኣሰርቲ ተፈሪዱ እንከሎ ንተወሳኺ ፍርዳዊ መስርሕ ናብ ኔዘርላንድ ኣምሪሑ ዘሎ ተወለደ ፣ ነቲ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ኣጻምእ ሳሃራ ናብ ሊብያ ኣብጺሑ ሻቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዘሰጋገር ገዚፍ መርበብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ብመሪሕነት ዘካይዱ ካብ ዝነበሩ ምዃኑ ድሕሪ ምቃልዑ፣ ካብ ፈለማ 2019 ብኣህጉራዊ ፖሊስ ማለት ኢንተርፖልን ካልኦት ኣካላት ጸጥታ ኤውሮጳን ክድለ ስለዝጀመረ ፡ ካብ’ታ መናሃርያኡ ዝነበረት ሊብያ ኣምሊጡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ እዩ ብፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ክተሓዝ ክኢሉ።