ኣብ ክልል ትግራይ ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሉ፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት ማለት UNHCR ኣፍሊጡ ።

UNHCR  ጨንፈር ኢትዮጵያ ንመራከቢ ቡዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ንዝርከቡ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህቦ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሉ ሓቢሩ ። ኣፈኛ እቲ ኮምሽን ነቨን ክሬቨንኮቪች፡ ቅድሚ እቲ ግጭት ምውልዑ፡ ሰባኣዊ ሓገዝ ናይ ምብጻሕ መስርሕ ክካየድ ምጽንሑ ጠቂሱ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ግን ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ምብኣሱ፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ምስ ውድብ መግቢ ዓለም ብምትሕብባር፡ ኣብ 13ን 14ን መስከረም  ናብቶም ኣስታት 9 ሽሕን 800 ዝቁጸሩ ስደተኛታት ሰባኣዊ ሓገዝ ከምዘባጸሐ ዘዘኻኸረ እቲ ወሃቢ ቃል ፡ ድሒሩ ግን እቲ ከቢድ ግጭት ብምውልዑ ሓገዛት ንምብጻሕ ከምዘይተካእለ ፡ በዚ ከኣ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ምህላዉ ገሊጹ። ብፍላይ እቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ በረራታት ደው ምባሉ፡ ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ካኣትዉ ብዘይምካኣሎም ከሙኡ ውን ቀረብ ጥረ ገንዘብ ብዘይምህላዉ ፡ ነቲ ሽግር ኣዚዩ ኣጋዲድዎ ምግላዉ ኣብሩሁ ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን  ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ ውን ብመጠን እቲ ዝገጥሞም ዘሎ ሽግራት እኩል ዘይምኳኑ ጠቂሱ ፡ ከም ዕሹግ መግቢ፡ ኮበርታ፡ ፍርናሽ፡ ቴንዳታትን ሳምናን ዝኣመሰለ ቀረብ ብውሑድ ዓቀን የካፍል ከምዘሎን፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎታት ውን ብዝተወሰነ ዓቅሚ ከምዝህብን ፡ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ውን ናብ ደባርቅን ጎንደርን እንዳለኣከ ፡ ህጹጽ ሓገዝ ዝረክብሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ምስ ሰብስልጣናት እታ ክልልን ናይ ጸጥታ ኣካላትን ይዘራረብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ዝሓለፈ 2 ኣዋርሕ ናይ ሓምለን ንሓሰን ናይ መግቢ ሓገዝ ንስደተኛታት ኣለምዋጭ ምዕዳሉ ዝገለጸ ላዕለዋይ ኮምሽን ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ፡ ግጭት ሩሲያን ዩክሬይን ከሙኡ ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ተሓዊስዎ ፡ እቲ ኮምሽን ንስደተኛታት ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ መግብን ጥረ ገንዘብን ብከባቢ 50% ክቅንስ ምግዳዱ ዩ ዘብርህ ።

2ይ ዓመቱ ክመልእ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ዝተርፎ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ፡ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ሙሉእ ብሙሉእ ክዓንዋ እንከለዋ ፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ዝተረፉ ስደተኛታት ከኣ በቲ ግጭት ኣብ ሞንጎ ሓዊ ተቀርቂሮም ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት በደላት ከብዝበጽሖም እዩ ዝንገር።