ኣብ ገለ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ ናብ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዘነጻጸረ ኣልማሚ ግፋ ምክያዱ ምንጭታት ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም። እቲ ዝጀመረ ግፋ ፡ ምጽራይ ሰነዳት ነባርነት ወጻእተኛታትን ሕጋዉነት ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታትን ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ግን ነቶም ኣብ’ታ ከተማ ብብዝሒ ዝነብሩ ኤርትራዉያንን ሶማላዉያንን ዘነጽጸረ እዩ።

በቲ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ናይ 5 ጥቅምቲ  ዝነበረ ግፋ ፡ ልዕሊ ፍርቆም ኤርትራዉያን ዝኾኑ ብዉሑዱ 186 ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ብሰብ መዚ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ይርአ ከምዘሎ ኣዉን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ግፋ ኽካየድ ዝኣዘዘ ኣካል መንግስቲ ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዛጊት 116 ኤርትራዉያን፡ 62 ሶማላዉያን፡ 5 ኢትዮጵያዉያን፡ 3 ድማ ዜጋታት ካናዳ፡ ቻይናን ኣየርላንድን ምዃኖም እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

እቲ ጀሚሩ ዘሎ ምጽራይ ንዝተወሰነ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽል ዝሕብሩ ምንጭታት፡ ብፍላይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን ፡ ዘድሊ ሰነዳት ካብ ኢዶም ከይፈልዩን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ነቲ ብክፍሊ ኢሚግሬሽን ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ናብ ረብሓኦም ብምቕያር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ገንዘባዊ ምዝመዛ ከቃንዑ ልዑል ተክእሎ ብምህላዉ እዉን፣ እቶም ምስ ሕጋዊ ሰነዳቶም ኣብ ሓደጋ ዝወድቊ ዘለዉ ኤርትራዉያን ንኩነታቶም ብዝምልከት ሓባራዊ ጥርዓን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ጨንፈር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከቕርቡ ይግባእ።

ብሓድሽ ለብዒ ኢቦላ ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ኡጋንዳ ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣዕቚባ እትርከብ ሃገር እያ። ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዉድዳር ዝሓሸ ፖሊሲ ስደተኛታት እተመሓድር እታ ሃገር ፡ ስደተኛታት ኣብ ስራሕን ወፍሪን ከምኡ’ዉን ትምህርቲ ብዘይጸገም ክሳተፉ ተፍቅድ ምዃና እዩ ዝንገር። እንተኾነ ገለ ስደተኛታት ሕጋዊ ወረቐት ዑቕበኛን ፍቓድ ስራሕን ከይሓዙ ኣብ ስራሕ ኪዋፈሩ እዮም ዝረኣዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ስደተኛታት ናይ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ፡ ልዕሊ 45 ሽሕ ምዝጉብ ሰነድ ዝዉንኑ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካምፓላን ከባቢኣን ይነብሩ።