ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ’ዛ ዝሓለፈት ሰሙን ጥራይ ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ መገሻ ዝጸንሑ ጳጳስ መንበረ ሰገነይቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ብ15 ጥቅምቲ ናብ ሃገር ኣብ ዝተመልስሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ከምእተወስዱ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ዝቐደሙ መዓልታት እዉን ቆሞስ ቤትክርስትያን ቅዱስ-ሚካኤል ናይ ከተማ ሰገነይቲ ዝኾኑ ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስን ፡ ኣባ ኣብርሃም ዝተባህሉ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ ናይ ከተማ ተሰነይን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምእተወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብምንታይ ምኽንያት ከምእተሞቕሑ፡ ከም ልሙድ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዛጊት ዝተዋህበ ምብርሂ ከምዘየለ እዉን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣቡነ ፍቕረማርያም ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ትካላትን ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ኸካይዶ ዝጸንሐ ዝምታን ህገራን ብድሎ ኪቃወሙ ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ምዃኖም እዉን ኣይርሳዕን።
ኣብ ዓድታት ጽንዓደግለ ጀሚሩ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ኣዛራቢን ኣተሓሳሳቢን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ ኣቦታትን መንእሰያትን ከምኡዉ’ን ዕጽዋ ኣባይቲን ምህጋር ጥሪትን ፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ኪኹነን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት እታ ቤትክርስትያን ጀሚሩ ዘሎ ማእሰርቲ ምስ’ቲ ጉዳይ ዝተኣሳሰረ ኸይኮነ ከምዘይተርፍ እዩ ዝግመት።
በዚ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ካብ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓፈሻ ካብ ቫቲካን ድማ ብፍላይ ተሪር ኩነኔ ክስዕብ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
ህግደፍ ዝሓለፈ 4 መስከረም ኣብ እንዳ መድሃኒ-ኣለም ቤተ- ክርስትያን ኣዂሩር – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ብምእታው ክጽልዩን ክሳለሙን ንዝመጹ መንእስያትን ዓበይቲ ወለደን ጠርኒፉ ምዉሳዱ ኣይርሳዕን። እቲ ናይ ኣኽሩር ፍጻሜ መቐጸልታ ናይቲ ጉጅለ ህገድፍ ኣብ ከተማን ዓዲን ዘካይዶም ዘሎ ጽዑቓት ግፋታትን ምንግልታዕ ዝሸምገላ ስድራቤታትን ኮይኑ፣ ንኣካየድቲ መዘምራንን እታ ቤተክርስትያን ዘይነሓፈ ምንባሩ ይፍለጥ።