ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት ብመትረብ ኣንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወት እሞ፡ ናብ ርዋንዳ ኽትጥረዝ ምዃና ዘመልክት ደብዳቤት ተዋሂብዋ ዝጸንሐት ጓል 28 ዓመት ኤርትራዊት ነፍሰጾር ፣ እቲ ትእዛዝ ብጌጋ ዝተላእከ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ደብዳቤ ናብ’ታ 37 ሰሙናት ዘቚጸረ ጥንሲ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝተፈልጠላ ኤርትራዊት ስደተኛ ብጌጋ ዝተላእከ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኸግዕዝ ዝሕልን መደቡ ኣብ ምትግባር ሕጋዊ ማሕለኻታት ይጽዕቆ ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ መንግስቲ ፡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ሓድሽ ፖሊሲኡ ካብ ምዕዋት ከምዘየዕርፍ ደጋሚሙ ዝገልጽ ዘሎ ኮይኑ፣ ነቶም ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኣካላት ድማ ብፍላይ ዝገጥምዎ ዘለዉ ሕጋዊ ብድሆታት ሞጊቱ ንምዕዋት ዝከኣሎ ይጽዕር ምህላዉ እዩ ዝሕብር።

ምስ ርዋንዳ ዝተኣትወ ዉዕል ኣብ ምጅማሩ ተጻብኦ ገጢምዎ ርትዓዉነቱን ሕጋዉነትን ንምንጻር ፍርዳዊ መስርሕ ኪሓልፍ ተገዲዱ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ዕለታዊ ዝዛይድ ዘሎ ዋሕዚ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ከም መመኽነይታ ከቕርቦ ይመርጽ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ ።

ካብ ብሪጣንያ ዛጊት ልዕሊ 120 ሚልዮን ፓዉንድ ስተርሊን ተቐቢላ ዘላ ርዋንዳ እዉን እንተኾነ፣ ንመቐበሊ ተመለስቲ ስደተኛታት ዘድሊ ትሕተ ቅርጺ ካብ ምዉዳድ ደዉ ኣይበለትን።

ተግባራዉነት ናይቲ ዉዕል ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትይሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ቊጽሪ ናይቶም ንማያዊ መስመር መትረብ እንግሊዝ ብነኣሽቱ ጀላቡ ጥሒሶም ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ይዛይድ ምህላዉ ኣይርሳዕን።  ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት  ነቲ ማያዊ መስመር ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ምህላዎም እዩ ሰነዳት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ዘረድእ።

ዉዕል ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ  ፡ ሓያል ኣህጉራዊ ኩነኔ ኣስዒቡ፡ ብሓያለ ሃገራዉያንን ኣህጉራዉያንን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክስታት ክምስረተሉ ምጽንሑ ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ካብ  5 መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ጀሚሩ ንሕጋዉነትን ዉድዓዉነትን ናይ’ቲ  ዉዕል ዝግምግም ፍርዳዊ መስርሕ የካይድ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ 14 ሰነ ናይ’ዚ ዓመት ክጅምር ዝተሓስበ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ፡ ብምትእትታዉ ቤትፍርዲ ኤውሮጳ ምስንኻሉ ዝዝከር ኮይኑ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ  በቲ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ዝበሎ ምስንኻል ከይተሰናበደ ተግባራዉነት እቲ ምስ ርዋንዳ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ንምዕዋት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዝኾነ ካብ ምፍርራህ ግን ኣይበኾረን።