መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ንከተማታት ሽረ፣ ኣላማጣን ኮረምን ከምእተቘጻጸሩ ይገልጽ ኣሎ።

እቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ሎሚ 18 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ንከተማ ሽረ፣ ብሸነኽ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ክልል ድማ ንከተማታት ኮረምን ኣላማጣን መንዚዑ ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ’ተን ህዝቢ ኣብ ዘይነብረሉ ከባቢታት ተዋጊኡ ከምእተቘጻጸረን ዝጠቐሰን ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ምስ ሰብኣዉያን ትካላት ኮይኑ ክሰርሕ ምዃኑ እዩ እቲ እዋናዊ መግለጺ ዝሕብር።

ብፍላይ ምትሓዝ እታ ናይ መዓርፎ ነፈርቲን ንከተማ መቐለ ዘራኽቡ ናይ ጽርግያ ትሕተቅርጽን እትዉንን ከተማ ሽረ ንሓይልታት ትግራይ ዓቢ ጽፍዒት ከምዝኸዉን ዝሓበረ ማዕከን ዜና ቢቢሲ እዉን ፣ እታ ብውሑዱ 100 ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ከተማ ድሕሪ ምሓዛ ፡ ኣብ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝተመቓቐለ ስምዒታት ይምዝገብ ከምዘሎ’ዩ ኣመልኪቱ።

ከተማ ሽረ ካብ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን ትሕቲ 100 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ብምዃና ፣ ገስጋስ እቲ ነታ ከተማ ብምቊጽጻሩ ፍናን ረኺቡ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ፡ ነተን ናብ ከተማ መቀለ ዘምርሑ መስምራት ብቐረባ ኪዕገተለን ዝቐለለ ዝኸዉን ክልተ ከተማታት ንምቊጽጻር ከምዝመስል እዩ ዝንገር።

ጥሙር ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተማ ሽረ ምእታዉ፡ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 17 ጥቅምቲ መግለጺኡ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ንምሓዝ ከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ብዝምልከት ግን ዛጊት ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።