ንኣስታት 2 ዓመታት ኣብ ደማዊ ግጭት ተጸሚዶም ዘለዉ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዋሓትን ዝተቀበልዎ ዘተ ሰላም  ዝመጽእ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽካየድ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ቆጸራ ከምዝተታሕዘሉ ተገሊጹ ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተጸዉዐ ዘተ ብክልቲኦም ወገናት እወታዊ መልሲ ምሃቦም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝተታሕዘሉ ናይ ዘተ ዕለት፡ ንጹር ብዘይኮነ ምክንያት ክናዋሕ እንከሎ፡ መርበብ ሓበሬታ ሮይቶርስ ግን ብሰንኪ ሎጆስቲካዊ ሕጽረታት ክኻየድ ከምዘይካኣለ ግምታዊ ጸብጻብ ምቅማጡ ዩ ዝዝከር።

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ሓበሬታ ዘካፈለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ዘተ ሰላም ብኣቆጻጽራ ኤውሮጵውያን ንዝመጽእ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ ክካየድ፡ ቆጸራ ከምዝተታሕዘሉ ኣነጺሩ ኣሎ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብጥልቀት ኣቲዩ ሰፍ ዘይብል ቁጠባዊ ዕንወት ከኸትል እንከሎ፡ ሲቪላውያን ግዳይ ወተሃደራዊ ዕላማታት ክኾኑን ፡ ሞት ሞቅሰልትን ምፍንቃልን ዜጋታት እታ ሃገር ከኣ ኣዚዩ ክዓቢ ምግባሩ ይግለጽ።

ኣቀድም ኣቢሉ ሉኡላዊ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሓይልታት ትግራይ ብዝዕድምዎም ግዳማዉያን ተዋሳእቲ ብተደጋጋሚ ይጣሓስ ኣሎ ብምባል ክሲ ዘቅረበ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላዊ መሬትን ግዛኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ናይ ምክባር መሰሉ ተጠቂሙ፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርትን ትካላት ፈደራልን ናይ ምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ጎኒ ጎኑ ሰላማዊ መፍትሒ ንህዝብታት እታ ሃገር ዘለዎ ረብሓ ተገንዚቡ ፡ ንሰለማዊ ዘተ ክሳብ መወዳእታ ቅሩብ ምኳኑ እዩ ዝገልጽ ።

ብሰንኪ እዚ ኲናት ቁጠባ እታ ሃገር ፈጺሙ ናብ ምውዳቅ ደረጃ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉዳኣት ውን ቀሊል ዘይምኳኑ እዩ ዝሕበር ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ  ፡ ቁጠባዊ ውድቀት እታ ክልልን ዝዓነወ መንግስታዊ ትሕተ ቅርጽን ንምሕዋይ ጥራሕ ብናይ 30 ዓመት ግዜ ከምዝትመን መንግስቲ እታ ክልል ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ዝወረደ ተሓዊስዎ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ውድቀት ምህላዋ ዩ ዝንገር ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ሰላም ድሮ ህልውኑኡ ክገልጽ እንከሎ፡ መራሕቲ ትግራይ እዉን ክሳተፍዎ ከምዝመርጹ እዩ ዝግመት።