ኣብ ኡጋንዳ ካብ ዝሓለፈ 20 መስከረም ዝተኣወጀሉ ለብዒ ኢቦላ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ኣካላት ጥዕና እታ ሃገር ከይከዉን ተሰጊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ዝተገልጸ እቲ ኣብ ከም ሙበንደን ካሳንዳን ዝተባህላ ምምሕዳራት እታ ሃገር ጥራይ ኣሰካፊ ሸፈነ ክምዝገቦ ዝጸንሐ ቫይረስ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካምፓላ ምልሓሙ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።

ኣብ ከተማ ካምፓላ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ  15 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ምህላዎም ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ኣብ’ቶም ኣብ መወሸቢ ከባቢታት ካብ ዝሕለዉ ዘለዉ ወገናት ጥራይ ዝርከብ ዘሎ ዉጽኢት ብምዃኑ፣ እቲ ሕማም ብልዑል ናህሪ ይላባዕ ከይህሉ እዩ ተሰጊኡ ዘሎ።

በዚ ዝተሻቐለ ማሕበር ክኢላታት ጥዕና ኡጋንዳ (UMA) ፣ ነቲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ክርአ ጀሚሩ ዘሎ መልከፍቲ ብኣጋኡ ንምግታእ ዕጽዋ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ተረርቲ ስጒምትታት ተግባራዊ ኪኸዉን  ይጽዉዕ ኣሎ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ሳሙኤል ኦሌዶ ኦዶንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣድላዪ ስጒምቲ እንተዘይወሲዱ ከተማ ካምፓላ ቀሊል ዘይኮነ ሓደጋ ይጽበያ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ ።

ሕማም ኢቦላ ኣብ’ቲ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ነባሪ ዘለዎ ማእከላይ ከባቢ ከተማ ካምፓላ ምእታዉ ንከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ኣህጉራዉያን ኣካላትን ኣሻቓሉ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ኣቐዲሙ ኣብ’ተን መናሃርያ እቲ ለብዒ ኮይነን ኣለዋ ዝበለን ገጠራትን ምምሕዳራትን ን21 መዓልታት ዝኸይድ ዕጽዋ ኣዊጁ ከምዘሎ ይሕበር።

በቲ ልዕሊ 50 ሚታዊት ናይ ምቕታል ዓቕሚ ዘለዎ ቫይረስ ዛጊት ልዕሊ 90 ኡጋንዳዉያን ክልከፉ እንከለዉ ካብ’ዚኦም ብውሑዱ ኣስታት 40 ምማቶም እዮ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገልጽ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣትዩ ዘሎ ሕማም ኢቦላ በቲ “ዓሌት ሱዳን እዩ” ዝበሃል ዓይነት ቫይረስ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ድሮ ዝኾነ ወግዓዊ ክታበት ኣይተረኽበሉን ዘሎ። ስለዝኾነ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ንዝወጽኡ መምርሒታት ብግቡእ ኽከታተሉን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን ይግባእ ።