ካብ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ 30 ጥቅምቲ ኪዛዘም ተመዲብሉ ዝጸንሐ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰለም ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽ ረቡዕ 2 ሕዳር ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ። ንምዕባሌታት እቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝቃናዕ ዘሎ ዘተ ብዝምልከት እኹል ሓበሬታ ዛጊት ከምዘየለ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣብ ስምምዕ ክብጸሓሎም ተስፋ ዝተነብረሎም ነጥብታት ገና ብዘይምስኻዖም እቲ ዘተ ክናዋሕ ከምተደልየ እዮም ዘረድኡ።

ኣብ’ቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከም ሞንጎኛ ፣ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሚኒስተር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረት ምዚለ ማላምቦ-ናኩክ ድማ ከም ኣዛተይቲ ዝዋስእሉ ዘለዉ ዘተ፣ ኢጋድ ፡ኣመሪካን ኤሮጳዊ ሕብረትን እዉን ብመንገዲ ወኪላት ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን በብወገኖም ዘቐመጥዎም ቅድመ-ኩነትታት እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ፈላሚ እግሩ ዝጭበጥ ዓወት ክህልዎ ከምዘጸግም ብዝተፈላለዩ ወገናት ክእመት ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተወሲኾም ዘለዉ መዓልታት ነቲ እመታ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ዘተ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዉክሉ ከም ሚኒስትሪ ፍትሒ ዶክተር ጊደዎን ጢመቲዎስ ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሪድዋን ሑሴን፡ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕነትን ተመስገን ጥሩነህ፣ ሓላፊ ድሕነት ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሌ/ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፣ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣምሓራ ጌታቸው ጀምበርን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድርን ዝበሉ ኮይኖም ፡ ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጊታቸዉ ረዳን ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ጻድጋን ገብረትንሳኤ፣ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነዉ፣ ዶክተር ፍሰሃ ሃብተጽዮን፣ ተወልደ ገብረትንሳኤ፣ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣሰፋ ኣብራሃን ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብ ወተሃደራዊ ሜዳ ገዚፍ ዓወትን ጸብለልታን ኣረጋጊጸ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ’ቲ ዘተ ናይ ተሰማዕነት ጽልዋ ሒዙ ይቐርብ ከምዘሎ እዮ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱን ብሕገ መንግስቲ ኣታ ሃገር ኪቕየዱን ዝብሉ ተረርቲ ነጥብታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተወላወለ ዘቕርቦም ጠለባት ከምዝኸዉን እዉን ይግመት።

እቲ ዘተ መሰረት ነባሪ ፍታሕ ኪኸዉን ተኽእሎ የብሉን ዝብሉ ገለ ወገናት፣ ኣብ’ቲ ኲናት ዘይነዓቕ ተራን ጽልዋን ኣስሚራ ዘላ ኤርትራ ካብ’ቲ ዘተ ምግላላ ከም ቀዳማይ ጠንቂ ዘልዕልዎ እዩ።

ኣመሪካ ነቲ ዘተ ንምምላኽ ቀጻሊ ጸቕጥታት ኣብ ልዕለይ ትገብር ኣላ ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ከም ተዓዘብቲ ተረኺቦም ዘለዉ ወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካ ንነጥብታት እቲ ዘተ ኣብ ምጽላዉን ምጥምዛዝን ይሰርሑ ምህላዎም ዝሓለፈ ሰሙን ከሲሱ ነይሩ።