ኣብ ሊብያ ከም ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ፡ ካብ ኣርባዓ ዘይበዝሑ ነባራት ተቐመጥቲ  ሊቢያ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣኼባ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ንምዕባለ ሃገሮም ኪነጥፉ ዝጽዉዕ ዘስደምም መልኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ዳርጋ ብምልኡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኤርትራዊ ንምንታይ ኣብ’ታ ሃገር ከምዘሎን፡ ከመይ ዝበለ ጸገማት የሕልፍ ምህላዉን ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ኣምባሳደር ዒሳ፣ ህግደፍ ኣሳጒጉዎም ኣብ ሊብያ ኩሉዓይነታዊ በደላት ንዝወርዶም ዘሎ ዜጋታትና ኣብ ጎድኒ “መንግስቶም” ደዉ ክብሉ ከምዝግባእ ክጽዉዕ እዉን ኣይሓነኸን።

ጉጅለ ህግደፍ ብመርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣብ ዘካፈሎ ዜና እዉን፣ ነቶም ዉሑዳት ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ነባራት ተቐመጥቲ ሊብያ ከም መወከሊ ናይ’ቶም ኣብ’ታ ሃገር ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራዉያን ብምዉሳድ ፣ “ ኣብ ሊብያ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ነቲ ብኣምባሳደር ዒሳ ዝተገብረ ጻዉዒት ብእወታ ተቐቢሎም ድጋፎም ከምዘደንፍዑ ኣረጋጊጾም” ክብል ብድፍረት ጠቒሱ ኣሎ።

ካብ ጭቆና ህግደፍ ሃዲምም ናብ ሊብያ ዝበጽሑ ኣሽሓት ወገናትና፣ ብዕጡቓትን ኣባላት ጸጥታ መንግስቲን ብዛዕባ ዝወርዶም ዘሎ ናይ ዓመታት ስቓይ ቃል’ዉን ኣስሚዑ ዘይፈልጥ ህግደፍ፣ ኣብ’ታ ሃገር ተልእኾኡ ኣብ ምምላእ ንዝርከቡ ውሑዳት ኤርትራዉያን ኣኪቡ ዝተበሃሃሎ ዕላል፡ ከም ኣብ መላእ ሊብያ ዝነብሩ ዜጋታትና ዘርኣይዎ ደገፍ ኣምሲሉ ከቕርቦ ምፍታኑ ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ለሚድዎ ዘሎ ንዕቐት እዩ።