መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም ከቲሞም ። እቲ ን9 መዓልታት ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኻየድ ዝቐነየ ዘተ ሰላም ዘዕግብ ዓወት ዝተረኽቦ ኮይኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦ ደዉ ከብሉ፣ ዘይቅድመ ኩነታዊ ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረጋገጽ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልላያት ንምጽጋን ዘኽእል መሰጋገሪ መስርሕ ክቃናዕ፣ ልኡላዊ ግዝኣትን መሬታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ቅዋም ተኸቢሩ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ሰራዊት ኪህሉ ስለዘይከኣል – ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ኣዉሪዶም ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ዝጽንበርሉ ወይ ብሰላም ዝጣየስሉ መድረኽ ኪቀላጠፍ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጽልእን ቂምን ዘዛይዱ ወፍርታት ፕሮፖጋንዳ ከቋርጽን ካልእን  ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እዮም ተሰማሚዖም ዘለዉ።

ላዕለዋይ መንጎኛ እቲ ዘተ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበረ ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዘተ ኣብ ዝተቓንዐ ስምምዕ ናይ ምኽታም ስነስረዓት ዘስመዖ ቃል፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ’ቲ ስምምዕ ክብጻሕ ዘርኣይዎ ቅሩብነት ብምምጓስ፣ እቲ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ስምምዕ ትግባረኡ ተረጋጊጹ ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ኣነጺሩ።

ካብ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ዘተ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ካልኣይ ዓመቱ መሊኡ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰብን ንበረትን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣኸቲሉ ከምዘሎ ብምዝኽካር፣ እቲ ዘተ ሰላም ፍረ ክርከቦ ብወገን ወከልቲ ክልል ትግራይ ዝነበረ ቅሩብነት በቲ ሓደ፡ መንጎኛታትን ተዓዘብቲን ናይ’ቲ ዘተ ዘርኣይዎ ጻዕሪ ድማ በቲ ኻልእ ዝምስገን እዩ ኢሉ።

ካብ ወከልቲ ህወሓት ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዉን፣ እቲ ኲናት ንኢትዮውጵያን ብሓፈሻ ንክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣሰኪምዎ ዘሎ ዕንወት ንምግማቱ ዘጸግም ከምዝኾነ ብምትሕስሳብ ፣ ነገራት ናብ’ቲ ዝነበሮ ክምለስ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብራዊ ተበግሶ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ቀጻሊ ደገፍ እዉን ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ዘተ ከም መንጎኛታት፣ ተዓዘብቲን ኣሳለጥቲን ኮይኖም ክነጥፉ ናይ ዝጸንሑ መንግስታትን ትካላትን ወከልቲ ብወገኖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተጻብኦ ደዉ ከብሉ ምስምማዖም ዮሃና ኢሎምን ሞጊሶምን። ኩሎም ኣካላት እቲ ዘተ ቃሎም ድሕሪ ምስማዕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ኣየኖት ነጥብታት ከምእተሰማማዕ ዘነጸረ ሓባራዊ መግለጺ ብመንገዲ ኣምባሳደር ሬድዋንን ኣቶ ጌታቸዉን ብተኻፈል ተነቢቡ።

ኣብ’ቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከም ሞንጎኛ ፣ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሚኒስተር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረት ምዚለ ማላምቦ-ናኩክ ድማ ከም ኣዛተይቲ ክዋስሉ ዝጸንሑ ዘተ፣ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢጋድን ኣመሪካን  እዉን ብመንገዲ ወኪላት ከም ተዓዘብቲ ምስታፎም ይፍለጥ።

ኣብ’ቲ ዘተ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወከሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዶክተር ጊደዎን ጢመቲዎስ ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሪድዋን ሑሴን፡ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕነትን ተመስገን ጥሩነህ፣ ሓላፊ ድሕነት ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሌ/ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፣ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣምሓራ ጌታቸው ጀምበር (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድርን ኮይኖም ፣ ብወገን ህወሓት ድማ  ኣቶ ጊታቸዉ ረዳን ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ጻድጋን ገብረትንሳኤ፣ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነዉ፣ ዶክተር ፍሰሃ ሃብተጽዮን፣ ተወልደ ገብረትንሳኤ፣ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣሰፋ ኣብራሃን እዮም።