ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ7 ሕዳር ኣብ ከተማ ናይሮቢ ተራኺቦም ይዘራረቡ ምህላዎም ተገሊጹ። ማእከል ዕላማ ናይቲ ርክብ ፣ ኣብ’ቲ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ንምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ነቶም ሓይልታት ዉሕስነት ኣብ ምርግጋጽን ዘኽእሉ ኣማራጺታት ንምዝታይ ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር።
ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ንህወሓት ወኪሉ ድማ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ እዮም ፡ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ዝዛተዩ ዘለዉ።
ኣብ’ቲ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ፣ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት ኪረጋገጽ ዝድለ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ንምትግባር ብድሆ ኸጋጥም ከምዝኽል ብሓያሎ ወገናት ይዝረብ’ዩ። እንተኾነ እዚ ናይ ኬንያ ርክብ ፣ ክልቲኦም ወገናት ንነጥብታት ስምምዓቶም ንምትግባር ቅሩባት ከምዘለዉ ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ርክብ ንዝመጽኡ 3 ወይ 4 መዓልታት ኪቕጽል ምዃኑ እዉን ይግመት።
ብዘይካ’ዚ ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ 2 ሕዳር ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሞም፡ ዘይተደልዩ ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ብድሆታት ከይክሰቱ ዝሕብርሉ ናይ ህጹጽ ጻዉዒት መስመር (hotline) ኣገልግሎት ክፉት ምግባሮም ኣበሳንጆ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ፡ብዛዕባ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነጥፉ ዲፕሎማሰኝታትን ወከልቲ ኣህጉራዉያን ኣካላትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ6 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ብግብሪ ንምርግጋጾም ዝኾነ ምድንጓያት ከይመረጸ ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ብዛዕባ እቲ ን7 ሕዳር ኣብ ኬንያ ዝካየድ ርክብ ወተሃደራዉያን መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሓቢሩ ነይሩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ዘረባኡ፣ ክልል ትግራይ ከም ኣካል ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ተረባሒት ሕገ-መንግስቲ ካብ ምዃን ዝኽልክላ ኣካል ከምዘየለ ጠቒሱ፣ ከም ካልኦት ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊትን ፖሊስን ዳግም ክጣየሰላ ምዃኑ ኣብሪሁ ኣሎ።
ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ብዙሕ ዘይተተንከፉ ነጥብታት ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ንምዉጻእ ናይ’ቲ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝሳተፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዝምልከት ዝተተንከፈ ጉዳይ የለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ2 ሕዳር ዝኸተምዎ ስምምዕ ሰላም ንማሕበረሰብ ዓለም ዓቢይ ተስፋ ሂቡ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ሓያላት ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራዉያን ኣካላትን እቲ ስምምዕ ኣብ ተግባር ኪዓልብ ኪተሓጋገዛ ምዃነን እየን ዝመባጽዓ ዘለዋ።
እቲ ካብ 25 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኻየድ ዝቐነየ ዘተ ሰላም ዘዕግብ ዓወት ዝተረኽቦ ኮይኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦ ደዉ ከብሉ፣ ዘይቅድመ ኩነታዊ ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረጋገጽ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልላያት ንምጽጋን ዘኽል መሰጋገሪ መስርሕ ክቃናዕ፣ ልኡላዊ ግዝኣትን መሬታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ቅዋም ተኸቢሩ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ሰራዊት ኪህሉ ስለዘይከኣል – ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ኣዉሪዶም ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ዝጽንበርሉ ወይ ብሰላም ዝጣየስሉ መድረኽ ኪቀላጠፍ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጽልእን ቂምን ዘዛይዱ ወፍርታት ፕሮፖጋንዳ ከቋርጽን ካልእን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እዮም ተሰማሚዖም።