ህዝባ ፍርያት ባሕራ ብንኡስ ዓቕሙ ገፊፉ’ዉን  ከይጸግብ ንዓመታት ብዝሰርሕ ዘሎ ህግደፍ እትግዛእ ዘላ ኤርትራ ፣ ኣባል ናይ’ቲ ንዘይሕጋዊን ኣልማሚን ምግፋፍ ዓሳ ዝቕይድ ኣህጉራዊ ዉዕል ንምዃን ከቲማ።

ዉድብ መግብን ሕርሻን FAO ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ፣ ኤርትራ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ሞሮኮ፣ ናይጀርያን ኣንጎላን ነቲ ብAgreement on Port State Measures (PSMA) ዝፍለጥ፡ ካብ መፋርቕ 2016 ተግባራዉነቱ ዝተረጋገጸን ፡ድሮ ኣስታት 100 ሃገራት ዝኸተማሉን ኣህጉራዊ ውዕል ተጸንቢራቶ ከምዘላ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም ንሃብቲ ባሕሮም ብዝኣክል መጠን ከይጥቀሙ ዝተኽልኡ ህዝብታት ብቐዳመንት ዝጥቀስ ኮይኑ፣ ህግደፍ ምስ የርብሑኒ እዮም ዝበሎም ትካላት ምስጢራዊ ዉዕላት እንዳኣተወ ንሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጽላት ዕደና ኣመስኪርዎ ዘሎ ዝምታ የተግብር ምህላዉ ይፍለጥ።

ዝበዝሑ ነበርቲ ዞባታት ሰሜናዊን ደቡባዊ ቀይሕ-ባሕሪ ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝበቅዕ መጠን ጥራይ ኪገፉ ዘፍቅድ ጉጅለ ህግደፍ ፣ እቶም ኣብ ንኡስ ንግዲ ዝነጥፉ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታትና እዉን እንተኾነ ፡ እቲ ጉጅለ ብዝሰርዖም ሚዛናታን ዋጋታትን እንዳተመዝመዙ ዝገፈፍዎ ብዘይእኹል መለሳ ኪሸጡ እዮም ዝግደዱ።

ካብ ርእሲ ምድራ 1,151 ኪሎሜተር፡ ኣብ እትዉንነን ኣማኢት ደሴታት ድማ ናይ 1,083 ኪሌሜተር – ብጠቕላላ  2,234 ኪሌሜተራት ገማግም ባሕሪ እትዉንን ኤርትራ ፣ ነቲ ናብ ዕዳጋታት መላእ ሃገር ዝቐርብ መጠን ሃብቲ ዓሳ ምስ እትዕዘብ ፣ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጥቕሚ ሓፋሽ ከይውዕል ዓጢቚ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።

ትሕቲ 5 ሚእታዊት ካብ ሃብቲ ባሕሩ ጥራይ ክጥቀም ዝተገደደ ህዝቢ ዝነብረላ ኤርትራ ፡ ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ ዉዕል ከቲማ ኣባልነታ ከተረጋግጽ ግቡእ እኳ እንተኾነ ፣ ህግደፍ ነዚ ኣባልነት መሪጽሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ንዓመታት ዝፍጽሞ ዘሎ ስርቂን ምዝመዛን ንምኹዋል ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ።