ዘየቛርጽ ግፋታት ዕረፍቲ ከሊእዎም ካብ ቤት ንብረቶም ናብ በረኻታትን ቊሸታትን ኣርሒቖም ዝሕብኡ ዘለዉ መንሰያትና ፡ ብብዝሒ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ምንጭታት ካብ ከተማ ከሰላ ሓቢሮም።
ብምሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ዝምዝገብ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ነቲ ካብ 2006 ክሳብ 2016 ዝነበረ ዋሕዚ ስደት ከም ዘዘኻኽር ክፍለጥ ተኻኢሉ።ምስቶም ስደተኛታት ሰብ ማእከላይ ዕድመን ሽማግለታትን ኣቦታት ከምዝርከብዎም እዉን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ እዉን እንተኾነ ፣ ብዝበኣሰ ግፋን ምንግልታዕን ይሳቐ ከምዘሎ፥ ስድራቤታት ድማ ከም’ዚ ሎሚ ጌሩ ማእሰርቲን ዓዛብን መሪሩወን ከምዘይፈልጥ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ሃገር ፣ ደቅኽንን ሰብ-ዓቕሚ ሰብኡትክንን ኣየኽተትክንን ብዝብል ጸገም ዘይተሓልፍ ስድራ ከምዘየላ እዮም ምንጭታትና ብተደጋጋሚ ዝገልጹ ።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብህግደፍ ተገዲዱ ክሳተፎ ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኢሉ ኣዕርፍ ከየበለ እዚ ኹሉ መዓት ይወርዶ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ብድሕሪ ምኽታም ኲናት ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝመጽኦ ስለዝፈልጥ ንመላእ ሃገር ከርዕድ ዝተረፎ ሓይሊ ይጽንቅቕ ምህላዉ የረድኡ።
ህግደፍ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ዘካይዶም ዕድመን ጾታን ዘይፈልዩ ኣልመምቲ ግፋታት ብዝሓየለ ይቕጽሎም ከምዘሎ፣ በቶም ንደቂንስትዮ ከየተረፈ ዘይንሕፉ ግፋታት ድማ ሓያለ ኣሕዋትና ካብ መንበሪኤን ኣርሒቐን ኣብ በዓትታትን ደብርታትን ኪሕብኣ ይግደዳ ምህላወን ይንገር። ******