ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብኢሱ ይቕጽል ከምዘሎ ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናዳ ናሺፍ ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ዛዕባታቱ ጌሩ ብ6 መጋቢት ዝቐጸለ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻባ ዝሃበት እታ ኮሚሽነር፣ ኣብ ኤርትራ ተርእዮታት መግረፍቲ ፣ ዘይሕጋዊ ድጎና፡ ሕሱም ኣተሓሕዛ እሱራት፣ ግዱድ መስወርቲ፣ ቀይዲ ነጻነታት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምትእኽካባትን ስለማዊ ሰልፍታትን ካልእን ከም ልሙድ ይቕጽል ምህላዉ እያ ሓቢራ።

ንሳ ወሲኻ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ፡ ሓሳብን እምነትን እሱራት ዝወርድ በደላት ማእሰርቲ ሓሲሙ ይቕጽል ከምዘሎ ጠቒሳ።

ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎታን ምስ ምዉላዕ ኲናት ትግራይ ብዝኸፍአ መልክዑ ይተዓጻጸፍ ምህላዉ ዝሓበረት እታ ኮሚሽነር፣ ኣዝማድን መቕርብን ናይቶም ካብ ዕስክርና ተሓቢኦም ዝበሃሉ ዜጋታት ብቐጻሊ ክእሰሩን ካብ ቤት-ንብረቶም ክፈናቐሉን ከምዝተራእየ ዘርዚራ።

ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ማእከላይ ጠንቂ ስደት ኤርትራዉያን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ዝበለት ኮሚሽነር ናዳ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዛጊት ልዕሊ 160 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሽሕ ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ከምዝርከቡ ንሰነዳት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ጠቒሳ ድሕሪ ምሕባር ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንጉዳይ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብመቓን ኣህጉራዊ ዉዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከተግብሮ፣ ብፍላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናይ ምምላስ ስጒምትታት ካብ ምዉሳድ ኪቚጠብን ተማሕጺና።

ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ተሓታትነት ይቕጽሉ ምህላዎም ከምዘተሓሳሰባ ዝሓበረት እታ ኮሚሽነር፣ ኣብ 2016 ከምኡ’ዉን 2017 ዝወጽኡ ጸብጻባት ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ሰብስልጣን ናይ’ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ምፍጻሞም ሰፊሩ እንዳሃለወ ክሳዕ እዚ ሰዓት እዚ በቶም ገበናት ኣብ ሕጊ ዝቐረበ በዓል ስልጣን ከምዘየለ ኣዘኻኺራ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ዘስመዐት ዳይረክቶር ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሊቲሽያ ባድር፣ ህዝቢ ኤርትራ ብኣልማሚ መቕጻዕትታት መሰላቱ ዕለታዊ ይገሃስ ከምዘሎ ኣተሓሳሲባ።

ኤርትራዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣባላት ዝተፈላለያ በርጊሳዉያን ማሕበራትን እዉን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ እንዳበኣሰ ዝቕጽል ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ግህሰታት እዋናዊ ሓበሬታን ቃለምስክርነታትን ኣካፊሎም ኣለዉ።