ምምሕዳር ከተማ ሚላኖ ናይ ዓዲ-ጥልያን ነቶም ኣብ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታት ከይሰልከዩ ዝሰርሕ ዘሎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ናይ ኣፍልጦ ክብሪ ሂቡ።

እቲ ምምሕዳር ንሰብኣዊ ጻዕርታት እቶም ኣባ ብምምስጋን እዉን ብስሞም ፈልሲ ከምዝተኸለሎም ክፍለጥ ተኻእኢሉ ኣሎ።

ኣባ ሙሴ ፣ ንድሕነት እቶም ኣብ ሊብያን ብማያት ማእከላይ ባሕሪ እንዳቈረጹ ኣብ ሓደጋ ዝወድቊን ስደተኛታት ንዓመታት ዝሕለቚ ዘለዉ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ኮይኖም ፣ ጸገማትን መሰልን እቶም ስደተኛታት ግቡእ ኣድህቦን ፍታሕን ኽረክብ ከይተሓለሉ ኣብ ስራሕ ይርከቡ።

ኣባ ሙሴ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ሓደጋታት ስደት ንምቚጣብን ስርሒታት ምድሓን ህይወት ኪበራታዕን ቀጻሊ ዝጉስጒሱ ኮይኖም፣ ብሰንኪ ስራሖም ካብ ሰብ መዚ ጥልያን ቀጻሊ ጸቕጥታት ክጸዓኖም ጸኒሑ እዩ።

ንዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ትተሓባበር ኢኻ ተባሂሉ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ብሰብ መዚ ጥልያን ክሲ ተመስሪትሉ ዝነበረ ኣባ ሙሴ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ’ቲ ክሲ ነጻ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።

ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ከተማ ትራፓኒ ንከባቢ 5 ዓመታት ዝተራእየ ኣባ ሙሴ፡ ምስታ ኣብ 2016 ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዛኣተዉ ስደተኛታት ብምድሓና ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ብጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል እትዉነን መርከብ፡ ብምስጢር ሓበሬታ ትቀባበል ኔርካ ብዝብል’ዩ ተኸሲሱ ኔሩ።

ኣብ 2015 ንኖበል ሰላም ተሓጽዩ ዝነበረ ኣባ ሙሴ፡ ነቲ ዝተኸሰሶ ገበን ፍጹም ከምዘይወዓሎን፡ ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዝመጽእዎ ናይ ርድኡና ደወላት እንተኾነ እዉን ሻቡ ናብ ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪን ምድሓን ህይወትን ጥልያንን ማልታን ፡ ከምኡ’ዉን ናብ ፍሉጣት ኣህጉራዉያን ኣክላት ብቀጥታ የመሓላልፎ ምንባሩ እዩ ኣብ’ቲ እዋን ሞጊቱ።

መንግስቲ ጥልያን ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ዝነጥፋ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝዉነና መራኽብ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ጥልያን ከይወፍራን፡ ኣብ ወደባት እታ ሃገር ከየዕርፋን ኣብ 2016 ድሕሪ ምእዋጁ፣ ኣብ አእዋኑ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ኣዉጺእና ምስ ዝብላ መራኽብን ወነንተንን ኣብ ቀጸሊ ሕጋዊ ረጽሚ ኪኣቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ተጻዒኑ ዝነበረ ክሲ እኹል መርትዖን ባይታን ተሳእኢንዎ ድሕሪ ምስራዙ፡ ቤት ፍርዲ ከተማ ትራፓኒ በቲ ግጉይ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ንዝበጽሐ ጸቕጥን ጸለመን ይቕሬታ ከምዝሓተተሉ እዉን ኣይርሳዕን።